ኣብ LAE ንእተሕልፍዎ ግዜ ምውዳብ

ንመስርሕ ዑቕባኹም ብዚምልከት. ግዜ ሃቡን ብትዕግስቲ ተጸበዩን። ነቲ ብማእከላት ምኽሪ ከባቢ ንዝህብኦ ኣገልግሎታት  ከምኡውን ምስኡ ዚኸይድ ሓበሬታ ዚህብ ጽሑፋት (በረርቲ፡ ቪድዮታትን ካልእን) ተጠቐሙሉ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ዚኸውን ንርእስኹም ከተዳልዉ ትኽእሉ።

ጀርመንኛ ንኽትምሃሩ እኹል ግዜ ሃቡ። ኣብቲ ዘለኽሙዎ መንበሪ ቦታ፡ ቛንቋ ጀርመን ንኽትምሃሩ መብዛሕቱ ግዜ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ዝውሃብ ዘሎ ዕድላት ተጠቕሙሉ ወይ ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ብምሕታት ባዕልኹም ብዛዕባ ክትምሃርሉ እትኽእሉ ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።

ንስደተኛታት ዝውሃብ ትምህርቲ ሕብረ-ቛንቋዊ ናይ ምልላይ ግዜ ዝኣመሰለ ናይ ፈለማ ኣገልግሎታት ምልላይ ግዜ ከምዘሎ ብኽብረትኩም ተገንዘቡ። ካብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቦታታት (ንኣብነት፡ ኮማዊ ኮሌጅ ምምሕዳር ከተማ)፡ ትምህርቲ ጀርመንኛ ወይ ኣብ ስሩዕ መዓልታዊ ናብራ ዜተኮረ ትምህርቲ ንኽትምሃሩ ዕድላት ኣለኩም። ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ጀርመን ኣፍልጦ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣስተብህሉ፥ እዚ ትምህርታት ገንዘብ ዝኽፈሎ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብኽብረትኩም ኣቐዲምኩም ሕተቱ።

ካብ ገዛኻ ወጺእካ ምኻድ፡ ካብ ንወለዲ ንላዕሊ ንቖልዑ ይኸፍእ። ስለዚ፡ ደቅኹም ብሓባር ኮይኖም ንኽጻወቱ ዕድላት ሃብዎም። ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ድማ ደቅኹም ዝዘናግዕሉ ግዜ ንኽህልዎም ዕድላት ይውሃቦም እዩ። ደቅኹም፡ ኣብኡ ንኽሳተፉ ኣተባብዕዎም።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፥ ከም ሕጋዊ መጉዚት መጠን፡ ንድሕነትን ተግባራትን ደቅኹም ብቐንዱ ሓላፍነት እትስከሙ ንስኹም ኢኹም። እዚ ድማ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ፡ ውላድኩም ኣበይ ቦታ ከምዘሎ ኲሉ ግዜ ክትፈልጡ ይግብኣኩም ማለት እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ባዕልኹም ተኸታተልዎ ወይ ድማ ነቶም ብቐሊሉ ንዓኹም ክረኽብኹም ዝኽእሉ ካልኦት ሕጋውያን መግዚት ሓብርዎም። ውላድኩም ድማ ንስኹም ኣበይ ከምዘለኹም ኲሉ ግዜ ክፈልጥ ይግባእ።

ኣብ ዕድላት ስራሕ ወይ ስራሓት ግብረ-ሰናይ (ትርጉም፡ ኣብ ግዜ በዓልታት ዚውሃብ ደገፍ፡ ናይ ጽሬት ስራሓት፡ ምጽጋንን ካልእ ስራሕን) ተሳተፉ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ጀርመን ናይ ፈለማ ተሞክሮኹም ከተጥርዩ ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡  ንዘለኩም ቀጥታዊ ኲነታት መነባብሮ ብንጥፈት ቅርጺ ተትሕዙን ንዝውሃበኩም ናይ ጁባ ገንዘብ ከምዝዕንትር ትገብሩን።

ክኢላዊ ዓቕምታት ምግምጋም

ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከብ ትካል ሽቕለት ፈደራላዊ መንግስቲ (Bundesagentur für Arbeit)፡ ንዘለኩም ክኢላዊ ብቕዓትኩም ገምጋም ይገብር እዩ። ብዛዕባ ዘለኩም ትምህርታውን ክኢላውን ዓቕምታት ከምኡውን ኣቐዲምኩም እትሰርሕዎ ዝነበርኩም ስራሕ ብዚምልከት ክትሕተቱ ኢኹም። እቲ ዘለኩም ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ተደላዪ እንተኾይኑ፡ ቅልጡፍ ምኽሪ ዕዳጋ ሽቕለት ክውሃበኩም እዩ፣ ነቲ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምቕባል ድማ ናይ ምኽሪ ግዜ ክውሃበኩም እዩ። እቲ ዘለኩም ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ነቲ ዕዳጋ ሽቕለት ከባቢ ዝሓቶ ጠለባት ዜማልእ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዚምልከቶ ምምሕዳር ከተማ ከምእትምደቡ ኺግበር ይከኣል እዩ።

ብቕዓትን ክእለትን፡ ኣብ መብዛሕቱ ሞያታት የድሊ። ብፍላይ ሞያዊ ስልጠና ዝወሰድኩም እንተዄንኩም ወይ ዲግሪ ዩኒቨርሲቲ እንተልይኩም፡ ኣብ LAE ንዝግበር ገምጋም ብቕዓት ክትርብሕሉ ድማ ይግባእ።