ወረቓቕቲ ፍቓድ መንበሪ

ኣብ ካልእ ነቑጣ እተዋህበኩም ምስዘይከውን፡ “ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ” (“Ankunftsnachweis”) ካብ ሰራሕተኛታት LAE ክውሃበኩም እዩ። ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ፡ ነቲ ከም ሓታቲ ዑቕባ እተመዝገብክምሉ ወረቐት ምዝገባ (“Bescheinigung über die Meldung als Asylsuchender” – BÜMA) ዚትክእ እዩ። ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ ወይ ወረቐት፡  ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ስእልኹምን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሰነዳት’ዚ ኣብ እተዋህበሉ ዝቐልጠፈ ግዜ፡ ከም ሓታቲ ዑቕባ ከምእተመዝገብኩም ክስነድ እዩ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ውልቃዊ መመልከቲ ዑቕባ ንኸተቕርቡ ክዕድመኩም እዩ።

መመልከቲ ዑቕባኹም ካብ ዘቕረብክሙሉ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ፡  ፍቓድ መንበሪ  (Aufenthaltsgestattung) ንኽትረኽቡ፡ ናብዛ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ ወይ  BÜMA  ክውሃሃብ እዩ። ነዚ ሰነድ’ዚ ኣብ ኲሉ እዋን ምሳኹም ሒዝክሙዎ ክትንቀሳቐሱ ኣለኩም፣ መንነት ንምርግጋጽ ፖሊስ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ድማ ከተርእይዎም ኣለኩም። ኣብዚ ሰነድ መንነት፡ ኣበይ ቦታ ኽትቕመጡ ከምዝፍቀደልኩም ይገልጽ እዩ። ኣብ Saxony-Anhalt ናብ ዝርከብ ንዓኹም ናብ ዝርዕም ምምሕዳር ከተማ ካብ እተመሓላለፍክሙሉ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ፡  ኣብ መንበሪ ኣድራሻኩም ለውጥታት ከምእተገብረ  ብኡንብኡ. ንፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ከምዝሕበር ኪኸውን እዩ።