ኣብ ዕዮ ምጽንባር

ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ስለዝረኸብኩም፡ ኣብ ጀርመን ንኽትሰርሑ ይፍቀደልኩም እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ደረት ዘይግበረሉ ፍቓድ ስራሕ ስለእተዋህበኩም እዩ። እቲ መስርሕ ዑቕባ ተወንዚፉ እንተልዩ ወይ ንኽትጥረዙ ንዝወጸ መደብ  (Duldung) እተደናጔየ እንተኾይኑ፡  ፍቓድ ስራሕ፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስተቐመጥኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክውሃበኩም ይከኣል እዩ። ፍቓድ ስራሕ ንኽትረኽቡ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።  ፈደራላዊ ወኪል ሽቕለት፡ መርመራ ዜካየድ እዩ። እቲ ክፉት ስራሕ፡ ነቲ  ክማላእ ዘለዎ ሕጋዊ ጠለባት ዜማልእ ምስዝኸውን፡ ኣብቲ ስራሕ ንኽትሰርሑ የፍቅደልኩም።

ኣብ LAE ትቕመጡ ክሳዕ ዘለኹም፡ ስራሕ ክትሰርሑ ኣይፍቀደልኩምን እዩ።

Saxony-Anhalt፡ ቅልጡፍ ገምጋም ብቕዓትን ምጽንባር ስራሕን ንኽህሉ ዚዓለመ እዩ። ብዙሓት መሻርኽቲ፡ ኣብ ምኽሪ ዕዳጋ ዕዮ ይተሓባበሩ እዮም። ምኽሪ፡ ኣብ ፈደራላዊ ወኪል ሽቕለት (BA)፡ ኣብ ማእከላት ስራሕ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ሞያን ቤት ምኽሪ ኢንዱስትርን ንግድን ብዝርከቡ ኣማኸርቲ ስደተኛታት ይውሃብ። ብዙሓት ማሕበራት ድማ ምኽሪ ብምሃብ ይሕግዛ እየን፥ ንኣብነት፥ ዞባዊ ተበግሶ “ሞያ ኣብ ኣተኲሮ” (“Fachkraft im Fokus”)፡ መርበብ ፕሮጀክት Job Bridge PLUS (Jobbrücke PLUS)፡ Network IQ ከምኡውን ዞባዊ መርበብ ማሕበራት ስደተኛታት (LAMSA e.V.). እየን። ንዓኹም ብዚምልከት ኣብ ግምት ብዛዕባ ዘእትውዎ ዕድላት ዕዳጋ ዕዮ ዚምልከት ብፍሉይ ሓላፍነት ንዝስከም መጉዚት ወይ ኣማኻሪ ሕተቱ።

መጠንቀቕታ፥ ዘይምህላው ወይ ዘይእኹል ዓቕምታት ቛንቋ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንኸይትጣየሱ ዚኽልክል ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ። ስለዚ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜን ብጽዑቕን ጀርመንኛ ንኸተጽንዑ ንዘሎ ኲሉ ዕድላት ተጠቐሙ።