ንመስርሕ ዑቕባኹም ብዚምልከት. ግዜ ሃቡን ብትዕግስቲ ተጸበዩን። ነቲ ብማእከላት ምኽሪ ከባቢ ንዝህብኦ ኣገልግሎታት ከምኡውን ምስኡ ዚኸይድ ሓበሬታ ዚህብ ጽሑፋት (በረርቲ፡ ቪድዮታትን ካልእን) ተጠቐሙሉ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ዚኸውን ንርእስኹም ከተዳልዉ ትኽእሉ።
ጀርመንኛ ንኽትምሃሩ እኹል ግዜ ሃቡ። ኣብቲ ዘለኽሙዎ መንበሪ ቦታ፡ ቛንቋ ጀርመን ንኽትምሃሩ መብዛሕቱ ግዜ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ዝውሃብ ዘሎ ዕድላት ተጠቕሙሉ ወይ ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ብምሕታት ባዕልኹም ብዛዕባ ክትምሃርሉ እትኽእሉ ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።
ንስደተኛታት ዝውሃብ ትምህርቲ ሕብረ-ቛንቋዊ ናይ ምልላይ ግዜ ዝኣመሰለ ናይ ፈለማ ኣገልግሎታት ምልላይ ግዜ ከምዘሎ ብኽብረትኩም ተገንዘቡ። ካብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቦታታት (ንኣብነት፡ ኮማዊ ኮሌጅ ምምሕዳር ከተማ)፡ ትምህርቲ ጀርመንኛ ወይ ኣብ ስሩዕ መዓልታዊ ናብራ ዜተኮረ ትምህርቲ ንኽትምሃሩ ዕድላት ኣለኩም። ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ጀርመን ኣፍልጦ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣስተብህሉ፥ እዚ ትምህርታት ገንዘብ ዝኽፈሎ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብኽብረትኩም ኣቐዲምኩም ሕተቱ።
ካብ ገዛኻ ወጺእካ ምኻድ፡ ካብ ንወለዲ ንላዕሊ ንቖልዑ ይኸፍእ። ስለዚ፡ ደቅኹም ብሓባር ኮይኖም ንኽጻወቱ ዕድላት ሃብዎም። ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ድማ ደቅኹም ዝዘናግዕሉ ግዜ ንኽህልዎም ዕድላት ይውሃቦም እዩ። ደቅኹም፡ ኣብኡ ንኽሳተፉ ኣተባብዕዎም።
ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፥ ከም ሕጋዊ መጉዚት መጠን፡ ንድሕነትን ተግባራትን ደቅኹም ብቐንዱ ሓላፍነት እትስከሙ ንስኹም ኢኹም። እዚ ድማ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ፡ ውላድኩም ኣበይ ቦታ ከምዘሎ ኲሉ ግዜ ክትፈልጡ ይግብኣኩም ማለት እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ባዕልኹም ተኸታተልዎ ወይ ድማ ነቶም ብቐሊሉ ንዓኹም ክረኽብኹም ዝኽእሉ ካልኦት ሕጋውያን መግዚት ሓብርዎም። ውላድኩም ድማ ንስኹም ኣበይ ከምዘለኹም ኲሉ ግዜ ክፈልጥ ይግባእ።
ኣብ ዕድላት ስራሕ ወይ ስራሓት ግብረ-ሰናይ (ትርጉም፡ ኣብ ግዜ በዓልታት ዚውሃብ ደገፍ፡ ናይ ጽሬት ስራሓት፡ ምጽጋንን ካልእ ስራሕን) ተሳተፉ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ጀርመን ናይ ፈለማ ተሞክሮኹም ከተጥርዩ ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡ ንዘለኩም ቀጥታዊ ኲነታት መነባብሮ ብንጥፈት ቅርጺ ተትሕዙን ንዝውሃበኩም ናይ ጁባ ገንዘብ ከምዝዕንትር ትገብሩን።