ውሳኔ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ውሳኔ ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ (ወግዓዊ ውሳኔ – Bescheid) ዚምልከት ብጽሑፍ ክሕብረኩም እዩ። እቲ ወግዓዊ ውሳኔ፥ ምኽንያት’ቲ እተዋህበ ውሳኔ ከምኡውን እቲ ውሳኔ ዳግማይ ክርኣየሉ ዚኽእል እንተኾይኑን ብኸመይ ከምዝቐርብን ይግባይ ድማ ብኸመይ ከምዝሕተትን ዚሕብር ምልክታ ይግባይ (Rechtbehelfsbelehrung) ዜጠቓልል እዩ።

እዚ ዚስዕብ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እወታዊ  መልሲ ክውሃበኩም እዩ፥

  • ዑቕባ ንኽትሓቱ መሰል ከምዘለኩም እንተተፈሊጡ (ዓንቀጽ 16ሀ ሕጥቦ-ጽሑፍ 1 መሰረታዊ ሕጊ)፡ ወይ
  • ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ጀነቫ፡ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ትረኽቡ እንተዄንኩም  ክፍሊ 3 ንኡስ-ክፍሊ 1 ኣዋጅ ዑቕባ)፡ ወይ
  • ተወሳኺ ጸግዒ ትረኽቡ እንተዄንኩም (ክፍሊ 4 ንኡስ-ክፍሊ 1 ኣዋጅ ዑቕባ)፡ ወይ
  • ማዕቐብ ምስጓጒ ዝጸንዔ እንተኾይኑ (ክፍሊ 60 ንኡስ-ክፍሊ 5 ወይ 7 ኣዋጅ

ተቐማጦ)።

እወታዊ ውሳኔ፡ ሕጋዊ ፍቓድ ይህብ። ፍቓድ መንበሪ (Aufenthaltserlaubnis) የካትት እዩ። ኣብዚ ምኽንያት ምርኩስ ብምግባር፡ ፍቓድ መንበሪ፡ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ዓመታት ፈለማ ትውሃቡ።

ኣሉታዊ ውሳኔ ኣብ ዝውሃበሉ እዋን፡  ነዛ ሃገር ሓዲግኩም ንኽትወጹ ዜገድድ  ናይ ምውጻእ ጠለብ ከምኡውን መጠንቀቕታ ጥርዝያ ክውሃበኩም እዩ። እቲ ጥርዝያ፡ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት፡ Duldung (ግዝያዊ ምቑራጽ ጥርዝያ) ብግዝያዊ መልክዕ ክውሃበኩም ይከኣል እዩ። Duldung፡ ምዝጉባት ሰባት ምዃንኩም ዜረጋግጽ ግዝያዊ ሰነድ እዩ።. ሕጋዊ ፍቓድ ግን ኣይኮነን።