ክርከቡ ዝኽእሉ ሰባት

እቶም ክርከቡ ዚኽእል ኣገደስቲ ሰባት፡ ኣብ ክፍልታት መደቀሲ ወይ ኣብ ኣፓርትማ ንዝቕመጡ ሰባት ዝከታተሉ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት እዮም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ከምኡውን ወለንታውያን ወሃብቲ ሓበሬታን ኣሰልጠንትን፡ ብዛዕባ ፈለማ ዝህልወኩም ምጥያስ ዚምልከት ደገፍ ይህብኹም። ማእከላት ምኽሪ ስደተኛታት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣብ ስሩዕ ሰዓታት ስራሕ ቤት ጽሕፈት፡ ምኽሪ ይውሃበኩም። ኣብ መስርሕ ዑቕባ፡ ሕጋዊ መዳይ ወጻእተኛታት፡ ማሕበራዊ ሓገዛት፡ ከምኡውን ምምሕያሽ ክእለት ቛንቋን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝህሉ ካልእ ሕቶታትን፡ ትምህርትን ዓቕምን ዜተኮረ ብቑዕ ደገፍ ይህብኹም። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዘለኽሙዎ ቦታ፡ ትካላትን ማሕበራትን ኣለዋ። እዘን ትካላት’ዚ ድማ ሓበሬታ ይህባኹም፣ ብኣካል ይረኽባኹም፣ ኣብ ባህሊ፡ ስፖርትን ትምህርታት ቛንቋን ድማ ሓበሬታ ይህባኹም።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ስደተኛታት ምስ ትካላት ስደተኛታት ዝምድናታት ይገብሩ እዮም። መብዛሕቶም ድማ ጥጡሕ ናብራ ንኽነብር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ነቶም ናብዛ ሃገር ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት፡ ኣብ ትርጉምን ምጥያስን ሓገዝ ይህብዎም እዮም። ንዞባዊ መርበብ ትካላት ስደተኛታት Saxony-Anhalt (Landesnetzwerk der Migrantenorganisationen – LAMSA) ተወከሱ። ኣብኡ ሓበሬታ ክትረኽቡን ኣብ ከባቢኹም ዝርከባ ትካላት ስደተኛታት በዓል ምዃነን ክትፈልጡን ትኽእሉ ኢኹም።