እንቛዕ ናብ Saxony-Anhalt ብደሓን መጻእኩም!

ኣብ መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣቲኹም ኣለኹም፣ እቲ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ድማ ኣብ ምጅማር ትርከቡ ኣለኹም። Saxony-Anhalt፡ ርእይቶታት ዝቕበል ፈደራላዊ መንግስቲ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ንዓኹም ከም  ስደተኛ ኽንቅበለኩምን ኣብ ፈለማ እዋን ድማ  መምርሕን ኣገልግሎታት ምጥያስን ክንህበኩምን ወጢንና ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ሓገዝ ይህቡ እዮም።

ኣብ ዝቕጽላ ገጻት’ዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ  ኣብ ማእከል መቐበሊ ዝውሃብ መምርሒታት ንኸነሳልጥን ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ ድማ ደገፍ ኽንህብን (ካብ 10/2016 ጀሚሩ)፡ ብዛዕባ ‘ቲ ፈለማ እዋን እትቕመጥዎ መንበሪ ቦታ  ዚምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣዳሊና ኣሎና።

ሰራሕተኛታት ከምኡውን ወለንተኛታት፡  እቲ ዝበለጸ ዕድላትን ኲነታት መነባብሮ ሰባትን ንኽህሉ ብልዑል ተወፋይነት ደገፎም ይህቡ። ብሰንኪ ብዙሕ ቊጽሪ ዘለዎም መዓልታዊ ዝመጹ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ እቲ መስርሓት ይደናጒ ወይ ንግዚኡ  ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ስለ ምርዳእኩምን ትዕግስትኹምን ነመስግን።

ስርሓት ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንላዕሊ ግዜ ይወስድ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ዚበለ ኲነታት ትዕግስቲ ኽትገብሩ ጽዓሩ። እቲ ምሉእ መስርሕ ምጥያስ ከመይ ከምዚመስል ንኽትፈልጥ፡ ግዜ ዚወስድን ገለ ዕንቅፋትን ክህልዎ ንይኽእል እዩ። ተስፋ ኣይትቚረጹ።

ኣብ ዘለኽሙዎ LAE፡ እተፈላለየ ዜግነትን ባህላዊ ድሕረ-ባይታን ምስ ዘለዎም ሰባት ዕዉት ዝኾነ ምትሕብባር ብምግባር ኣበርክተኹም ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ኲሉ ግዜ ቀሊል እኳ እንተዘይከነ፡ ኣብ ባይታ ግን ከምዚ ዚስዕብ’ዩ ዚፍጸም፥ ብዙሕ ጸገማት፡ ብኣኽብሮትን ክልቲኣዊ ምትሕልላይን ኪፍታሕ ይከኣል እዩ። እዚ ሓበሬታ ዚሓዘ መምርሒ፡ ንዘለኩም ኣገዳሲ ሕቶታት ክምልስን ተወሳኺ መምርሒ ዝህብኹም በዓል መን ምዃኖም ክሕብርን  ተስፋ ንገብር።

ኣብ ጉዕዞ ህይወትኩምን መጻኢኹምን ዝበለጸ ዕድል ንምነየልኩም።

ደረጃ ብደረጃ

ናብ ሃገር ምእታውን ምዝገባን

ኣብ ቀንዲ ኣፍደገ ንዝርከብ ዋርድያ ሓሊፍኩም ኣብ ቀጽሪ LAE ምስ በጻሕኩም፡ ከም ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ተመዝገቡ። ወረቐት ምስክር ምዝገባ (ምዝገባ፡ House A) ድማ ክውሃበኩም እዩ። LAE Halberstadt፡ ናትኩም ሓላፍነት ዘይወስድ እንተኾይኑ፡ ንዕኡ ኣብ ዝመስል ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ከምእትኸዱ ኪግበር እዩ። ንእትገብርዎ ምግዕዝ ዚምልከት ገደብ ግዜን ቮውቸር ቲኬትን ክትውሃቡ ኢኹም፣ እዚ ድማ ካብ ነቑጣ ሓበሬታ Deutsche Bahn (መደበር ባቡር Halberstadt) ክትወስድዎ ኣለኩም።

ወረቐት መንነት ዑቕባ ከምኡውን ናብ ሃገር ከምዝኣተኹም ዜረጋግጽ ወረቐት

ወረቐት መንነት ዑቕባ፡ ኣብ እትምዘግብሉ እዋን ዚውሃብ እዩ። ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣብ እትኣትውሉ ወይ እትወጽሉ ግዜ፡ ንወረቐት መንነት ዑቕባ ኲሉ ግዜ ክትሕዙን ንዝሓተተኩም ከተርእዩን ይግባእ። እተዋህበኩም ዓይነታት ቀረብ፡ ሕክምናዊ ምኽሪ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ድማ ኣብ ወረቐት መንነት ዑቕባ ከምዚስነድ ኪኸውን እዩ። ብተወሳኺ፡ ናብ ሃገር ከምዝኣተኹም ዜረጋግጽ ወረቐት ክውሃበኩም እዩ።

ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ድሕሪኡ ድማ ምስቲ ንዓኹም ዝከታተለኩም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትራኸቡ። ንዘለኩም ጸገማት ድማ ምስኦም  ኴንኩም ትፈትሕዎ። መደቀሲ ክፍሊ ክውሃበኩም እዩ። ኣብቲ እተዋህበኩም ወረቐት መንነት ዑቕባ  ከምእተሓበረ፡ ናብ house B ብምኻድ፡ መፋትሕ መደቀሲ ክፍልኹም ክውሃበኩም እዩ።  ሰሙናዊ ቮውቸር ምግቢ ድማ ካብ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ክትውሃቡ ኢኹም።

ብኽብረትኩም ነቲ እዋናዊ ምልክታታት ኣስተብህሉ!

ምክትታል ጥዕና

ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ house B ንዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ሕተቱ፣ ኣብኡ ድማ መባእታዊ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልኩም። ተመሓላለፍቲ ሕማማት እንተልዩ ንምፍላጥ ድማ ብሕጊ ዚእዘዝ መርመራ ንኺካየድ ኣድላዩ እዩ። ኣብ LAE ዚካየድ ተወሳኺ ስጉምትታት፡ ኣብዚ መርመራ ዚሙርኮስ እዩ።

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት

ኣብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ መመልከቲ ዑቕባ ኣቕርቡ። ከምኡ ንኽትገብሩ ድማ ዕድመ ክውሃበኩም እዩ። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ቀጽሪ LAE ኣብ ዘሎ ማእከል መቐበሊ ይርከብ።

ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ መእተዊ ኣፍደገ  LAE ንዘሎ House A ብቐጥታ ሓሊፍካ ይርከብ። ክውሃበኩም ዘለዎ እጃም ወይ ናይ ጁባ ገንዘብ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱን ክትቅበሉን፡ ናብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብኣካል ተረከቡ።

ክዳውንቲ

Diakonie፡ ንውልቃዊ ጠለባት ዜማልእ ኣብ LAE ዝርከብ ድኳን ክዳውንቲ ኣለዎ። ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ክፉት እዩ። ኣብ ድሕሪት ካፈተርያ ድማ ጣውላ ይርከብ እዩ።

መቐየር ሕጽቦ ክዳውንቲ

ክዳውንትኹም፡ ኣብ ክፍሊ ሕጽቦ ክዳውንቲ (House B, C, W5) ክሕጸብ ይከኣል እዩ፣ ኣብኡ ድማ ንእትቕመጥሉ ክፍሊ ዚኸውን ናውቲ ጽሬት ክትውሃቡ ኢኹም።

ኣንሶላ ዓራት ኣብቲ እተመደበ ሰዓታት ኽትቕይሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕክምናዊ ረድኤት

ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እትኸድዎ ናይ ፈለማ ቦታ፡ ነቑጣ ሕክምናዊ ቀረብ፡ MediCare እዩ። ሕማምኩም፡ ከቢድ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዶክተር ቅድሚ ምቕራብኩም፡ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ፍቓድ ንኽትረኽቡ ኣመልክቱ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮንተይነር G2 ዚርከብ ኣገልግሎት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ፥ ኲነታት ሻቕሎት፡ ስነ-ኣእምሮዊ ሕማም ወይ ጸገማት ጽግዕተኛነት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ደገፍ ይህብ። ኣድላዪ ምስዝኸውን ድማ ቆጸራ ሓዙ።

ጸግዒ

ኲነታት ዓመጽ ኣብ እተዓዘብክሙሉ እዋን ወይ ንጽልኢ ወይ መጥቃዕትታት እተቐላዕኩም እንተዄንኩም፡ ንሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ወይ ፖሊስ (ኣብ ኣፍደገ ዝርከቡ) ብኡንብኡ ተወከሱ።

መውዓሊ ቆልዑ

መውዓሊ ቆልዑ፡ ኣብ ZASt ዘሎ House C ከምኡውን ኣብ W4 (ህንጻ ክረምቲ 4) ይርከብ። ኣብቲ ቦታ’ቲ፡ ካብ 3 ክሳዕ 11 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ዚኸውን ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ቦታ እተፈላለየ ኣገልግሎታት ትረኽቡ።

ምትሕልላፍ/ምግዕዓዝ

ኣብ Saxony-Anhalt ናብ ዝርከብ ገጠራዊ ዞባታት ዚግበር ምግዕዓዝ፡ ብመሰረት ኣብ ቤት ጽሕፈት ምግዕዓዝ ዝወጸ ዕለታት ይካየድ። ነዚ ዚምልከት ኣብ ተዛመድቲ መንበሪ ኣባይቲ ንዝወጽእ ምልክታት ድማ ተኸታተሉ።

ኣብቲ እትግዕዝሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ House B እተዋህበኩም ኣንሶላ፡ መፋትሕን ካልእ ነገራትን ክትመልሱ ይግባእ። እቲ ወረቐት መንነት ዑቕባ፡ ውዱቕ ዚብል ማሕተም ክሳዕ ዚሕተሞ ድማ ነቲ ምግዕዓዝ ክትጅምርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ቦታታት LAE Halberstadt

LAE (ZASt)፡ ናብ Klussiedlung ዚወስድ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ Halberstadt ኣብ ዘሎ Friedrich-List-Street 1a ይርከብ።

ኣብ መንጐ ማእከላይ መደበርን LAE Halberstadtን ዘሎ ፍልልይ ርሕቐት ድማ 5 ኪ.ሜ እዩ።

ካብ ማእከላይ መደበር ናብ LAE ድማ ብትራም (መስመር 2፡ ናብ Sargestedter Weg ዚወስድ መገዲ ብምሓዝ፡ ኣብ “Herbingstraße” ወይ “Felsenkeller” ጠጠው ብምባል)

ብኣውቶቡስ (መስመር 12፡ ናብ Klusberge ዚወስድ መገዲ ብምሓዝ፡ ኣብ መዓርፎ) ትበጽሑ።

ብእግሪ ትጉዓዙ እንተዄንኩም፡ ናብ ማእከላይ መደበር ዚወስድ ምልክታት (“Asyl” ዚብል ጻዕዳ ምልክት) ተኸተሉ።

Locationmap tigrinya

ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ኣብቲ እትቕመጥሉ መንበሪ ኣባይቲ ምርኩስ ብምግባር፡ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሓላፍነትኩም ይወስድ።  ንስርዓት ኣካይዳ ይውድብ፣ ጽሑፋትን ደብዳቤታትን ይህብ፣ ከምኡውን ምሳኹም ብምዃን መመልከቲታት የቕርብ። ንሱ፡ ኣብ LAE ዚሰርሕ ክትረኽብዎ እትኽእሉ ኣገዳሲ ሰብ እዩ። ኣብዚ ህንጻ ብዛዕባ እትጸንሕዎ ዚምልከት ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ይህበኩም። እዚ ድማ መምርሒታት (ሕግታት ንጽሕና ከምኡውን መጠንቀቕታ ድምጺ ባርዕ ኣብ ዝስምዓሉ ዚውሰድ ስጉምቲ) ዚሓዘ እዩ።

Caritas-ነቑጣ ምኽሪ

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ (House C/102, 103, 132, 133) እትጸንሕዎ ግዜ ዚምልከት ንዘለኩም ኲሉ ዓይነታት ሕቶታት፡ ንሰራሕተኛታት ማእከል ምኽሪ Caritas  ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ቦታ’ዚ ድማ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ኲሉ ሕጋዊ ሕቶታት ዚምልከት ምኽሪ ክትውሃቡ ኢኹም። ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ድማ እተዳለኹም ትኾኑ።

ንእሽቶ ምዕዶ፥ ዘይትርድእዎ ደብዳቤ ኣብ እተቐበልክሙሉ እዋን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንነቑጣ ምኽሪ ብኽብረትኩም ተወከሱ። ኣሉታዊ ውሳኔ ዑቕባ ኣብ እተቐበልክሙሉ እዋን ድማ ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ። Caritas ድማ ብዛዕባ ሕጋዊ ሓገዛትን ምምላስን ዘሎ ተኽእሎታት የማኽረኩም።

ኣብ LAE Halberstadt ዘሎ ዕድላት

ንመስርሕ ዑቕባ/መስርሕ ምስማዕ ጉዳይ ኣመልኪትኩም ርእስኹም ብምድላው፡ ነቲ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ እተሕልፍዎ ግዜ ንዓኹም ኣብ ዝጠቅም ኣውዕልዎ። ንነቑጣ ምኽሪ – Caritas (House C/102) ተወከሱ።

ጀርመንኛ ኣጽንዑ! እቲ ኣብ ማእከል ምኽሪ – Caritas ብጀርመንኛ ዚውሃብ ትምህርታት ምጥያስ፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ይውሃብ። መብዛሕቱ ግዜ፡ ወለንታውያን ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ትምህርታት ይህቡ።

ኣብዚ ቦታ’ዚ ይኹን ኣብ መእለዪ ክፍልታት (House B፡ House C)፡ ንደቅኹም ዚምልከት ፕሮግራማት  ትረኽቡ ኢኹም። ኣብ ማእከል ምኽሪ ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡ ንቖልዑ ዚኸውን ትምህርታት ኢደ-ጥበብ ብቐጻሊ ይህቡ እዮም። ንዓበይቲ ዚውሃብ ትምህርታት ትግደሱ እንተዄንኩም ድማ ብዛዕባኡ ዚምልከት ዕድላት እንተልዩ ሕተቱ።

ኣብ ቀዳማይ ደርቢ House C ዘሎ ምልክታት፡ ንኣብነት፥ ኣብ ከባቢ LAE ናብ ዝርከብ ቦታታት ዚግበር ጉዕዞታት (ንቖልዑ ተባሂሉ እተዳለወ መካነ እንስሳታት) ወይ ባህላዊ በዓላት (Zora Halberstadt) ብዛዕባ ዝርከቦ ንዓበይቲ ዚምልከት ንጥፈታት ሓበሬታ ይህብ።

ኣብ ጥቓ LAE (ናብ ማእከል ከተማ ዚወስድ መገዲ)፡ እተፈላለየ መሳለጥያታት ዕዳጋ (ሱፐርማርከኢት፡ ድኳናት ክዳውንቲ) ወይ መሳለጥያታት ርክብ (ካፈታት ኢንተርነት) ይርከብ። ነዚ መሳለጥያታት ድማ ብእግርኹም እትጉዓዝዎ፡ 2 ወይ 3 ኪሎሜተራት ርሕቐት ዘለዎ እዩ።

ወለንታዊ ስራሕ (ትርጉም፡ ደገፍ ኣብ በዓላት፡ ናይ ጽሬት ስራሕ፡ ጽገናን ካልእ ስራሕን) ብምስራሕ፡ ንእትቐመጥሉ መንበሪ ኣከባቢ ብንጥፈት ቅርጺ ከተትሕዙን ንእትረኽብዎ ናይ ጁባ ገንዘብ ንኸተኻዕብቱን ትኽእሉ። ካብዚ ዕድላት’ዚ ንኽትርብሑ፡ ንዝከታተለኩም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከሱ።

ንጥፈታት ስፖርት፡ ሲኔማን ካልእ ማሕበረ-ባህላዊ ንጥፈታትን፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብስሩዕ ክውሃብ ይኽእል እዩ።

ኣብ Saxony-Anhalt ዚርከብ ማእከል

ጸግዒ ደሊኹም ናብ ጀርመን ዝመጻእኩም፡ እሞ ኸኣ ዑቕባ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱ እትደልዩ እንተዄንኩም፡ መዝታት መንግስቲ፡ ብመሰረት ሕግን ስርዓተ-ኮታን፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ማለት ብማእከል መቐበሊ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ (LAE).፡ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ።

ከም  ሓታቲ ዑቕባ መጠን፡ እቲ ናይ ፈለማ  ምቕባል (ምዝገባ) ኣብ LAE ኺካየድ እዩ። Saxony-Anhalt፡ ካብቲ ዝመጻእክሙዎ መበቆል ሃገርኩም ንዝቐረበ መመልከቲታት ሕቶ ዑቕባ ዘይቅበል እንተልዩ፡ ኣባላት ሰራሕተኛታት፡ ንመመልከቲኹም  ናብ ዝምልከታ ፈደራላዊ መንግስቲ  ከመሓላልፍኹም እዮም።

ኣብ LAE፡ መንበሪ ቦታ፡ ምግብን ንመነባብሮ ዘድሊ ካልእ ነገራትን ይውሃበኩም። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቦታ ተዋሂብኩም ክሳዕ እትግዕዙ፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ።

እቲ ማእከል መቐበሊ፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ Halberstadt ዚርከብ  LAE እተደኮነ እዩ። ንዂሉ ደረጃታት መስርሕ ዑቕባኹም፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ኴንኩም ኽትከታተልዎ ኢኹም። ጨንፈር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን  ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF)፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ይርከብ። ናብ ጨንፈር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ድማ ነቲ መመልከቲ ዑቕባ ተቕርቡ።

ኣብቲ መንበሪ ቦታ ክትህልዉ ኣለኩም

ኣብቲ መቐበሊ ፈለማ ኣብ ዝኣተኽሙሉ እዋን፡ በቲ መብዛሕቱ ግዜ  Residenzpflicht ዚጽዋዕ ግዴታት ተቐማጦ (Aufenthaltsverpflichtung) ክትምእዘዙ ኣለኩም። እዚ ድማ እትቕመጥሉ ቦታ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ (ዞባዊ ምምሕዳር  ወይ ከተማ) ከምዚኾነ የገድድ ማለት እዩ። ግዴታታት ተቐማጦ፡ መዝታት መንግስቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ንዓኹም ክረኽብኹምን ኣገዳሲ ሰነዳት ድማ ኣብ ግዚኡ ንኽበጽሓኩምን ተባሂሉ እተዳለወ እዩ። እንተወሓደ  ንሰለስተ ኣዋርሕ ወይ ድማ ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኽትጸንሑ ክሳዕ እተገደድክሙሉ ንውሓት ግዜ ክትቅመጡ የፍቅድ።

ንኣዝማድኩም ንኽትበጽሑ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ንፈለማ ዝኣተኽሙዎ ማእከል መቐበሊ ሓዲግኩም ክትወጹ ኣብ ዝደለኽሙሉ እዋን፡ ፍቓድ (መውጽኢ ካርድ -Urlaubsschein) ክትረኽቡ ኣለኩም። ፍቓድ ንኽትረኽቡ፡  ናብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ፍቓድ ከይረኸብኩም ነቲ ቦታ ሓዲግኩም እንተወጺእኩም፡ መቕጻዕቲ ክውሃበኩም እዩ፣ ከምኡ ደጋጊምኩም እንተገይርኩም ድማ ገበናዊ ክሲ ንኽቐርበልኩም ዘይተርፍ ነገር እዩ።

ኣብ LAE እትቕመጥሉ ንውሓት ግዜ

ብመሰረት ሕጊ፡ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከላት መቐበሊ እትቕመጥሉ ንውሓት ግዜ፡ ክሳዕ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዚበጽሕ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ ህሉው ንውሓት ግዜ፡ ኣብ  ኲነታት መስርሕ ሕቶ ዑቕባኹም ዚምርኮስ እዩ።

መበቆል ሃገርኩም  ውሑሳት ካብ ዝብሃላ ሃገራት፥ ኣልባንያ፡ ቦዝንያ ሄርዞጎቪና፡ ጋና፡ ኮሶቮ፡ መቖደንያ፡ ሞንተነግሮ፡ ሰኔጋል ወይ ሰርብያ እንተኾይኑ፡  እቲ እተቕርብዎ መመልከቲ ዑቕባ ንኽርኤ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሑድ ጥራይ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኲነታት፡ እቲ መስርሕ ዑቕባ ክሳዕ ዚውዳእ፡  መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ  ከም እትጸንሑ ይግበር።

መንበሪ ገዛ

ብዝተኻኣለ መጠን ዝበለጸ መንበሪ ገዛ ኣብ LAE ንኽንህበኩም ንጽዕር።

መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣብ ክፍልታት ሓበራዊ መንበሪ ገዛ ከምእትቕመጡ ኽግበር እዩ። ዓቕሚ’ቲ ከባቢ፡ ዘይእኹል እንተኾይኑ፡  ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ቦታ ብግዝያዊ መልክዕ ኽትቕመጡ ይከኣል እዩ።  ብዝኾነ፡ እቲ ዘለኽሙዎ መንበሪ ገዛ፡ ኣብ ግዜ ዛሕሊ’ውን ንኽትቅመጠሉ ምቹእ ኪኸውን ኣለዎ።

ነቶም ዘሰኒ ዘይሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዚውሃብ ጸግዒ

ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾይኑ ፡እሞ ኸኣ ብዘይ ዝኾነ ወላዲ ወይ ኣላዪ ኣብ ጀርመን ትቕመጡ እንተሊኹም፡  ንስኹም ፍሉይ ዝኾነ ጸግዒ ኽትረኽቡ የድልየኩም እዩ። ናብዛ ሃገር ምስበጻሕኩም፡ ፍቓድ ብእተዋህቦ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ንኣሽቱ መንእሰያት ከምእትረዓሙ ኺግበር እዩ። ፈለማ ኣብ ዝውሃብ ማእከል መቐበሊ እትቕመጡ ዘለኹም ዋላ ኣይትኹኑ፡ ብኣገልግሎታት ድሕነት ንኣሽቱ መንእሰያት፥ ምኽሪ፡ ክንክንን መንበሪ ገዛ ኽትቕበሉ ኢኹም።

ንደቀኣንስትዮ ዚውሃብ ፍሉይ ጸግዒ

ዘሰኒ ዘይብለን ደቀኣንስትዮ ወይ ቆልዑ ዘለወን ደቀኣንስትዮ፡ ኣብ እተፈልየ ክፍልታት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝቕመጣ ይግብር። ኣብቲ መንበሪ ክፍልታት ምስ ሰባት ብኸመይ ሓቢርካ ትቕመጥ  ዚምልከት ምኽሪ ድማ ብሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይውሃብ እዩ። ምኽሪ ኣብ ዝውሃበሉ እዋን፡ ንዘለክን ውልቃዊ ጸገማት ብቕሉዕ ክትሕብራ ትኽእላ ኢኺን። ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጐንኽን ደው ክብሉ እዮም፣ ንዂሉ ሕቶታትክንን ጸገማትክንን ብዚምልከት ድማ ደገፍ ክህቡኽን እዮም።

ጾታዊ መንነት

ኣብ ጀርመን፡ ዝኾነ ሰብ፡ ብሰንኪ ዘለዎ ጾታዊ ኣቃውማ (ኣንስታይ ሰዶመኛ፡ ተባዕታይ ሰዶመኛ፡  ድርብ ጾታዊ (ባይ ሰክሽዋል)፡  ስግረ-ጂናዊ (ትራንስ ጀንደር)፡ ስግረ-ጾታዊ (ትራንስ ሰክሽዋል) ከምኡውን ሰበይታይ (ክዩር)) ወጽዓ ክበጽሖ ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ሕቶታት እንተሊኩም ከምኡውን/ወይ ኣገልግሎት ምኽሪ ተናድዩ እንተሊኹም፡ ንዝከታተለኩም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት ንምውካስ ብኽብረትኩም ኣይትሰከፉ። ፍሉይ ኣገልግሎት ምኽሪ  ብዛዕባ ዚምልከት ርእይቶታት (ረይንቦው) ሕተቱ።

ምስግጋር (ምግዓዝ) ናብ ገጠራዊ ዞባታት

ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ናይ ምርካብ ጽቡቕ ዕድላት እንተሊኩም ወይ እቲ ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ ዑቕባ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ንኽትቕመጡ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ። ሰራሕተኛታት LAE፡ ኣየነይቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ንዓኹም ከምእትቕበለኩም ክሕብርኹም እዮም። ኣብ Saxony-Anhalt ብዛዕባ ክህልወኩም ዘለዎ መንበሪ ገዛ ኣመልኪትኩም ንእተቕርብዎ ውልቃዊ ድሌታትኩም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣይከኣልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድ (ውሉዳት፡ ወለዲ፡ ትሕተ-ዕድመ ኣሕዋት፣ ትሕቲ ዕድመ ኪበሃሉ ከለዉ፡ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም) ምስዝህልውኹም፡ ናብ መንበሪ ገዛ ኣዝማድኩም ንኽትግዕዙ ጠለብ ንኸተቕርቡ መሰል ኣለኩም።

ኣብ ግዜ ግጭት ዚውሰድ ስጉምቲ

ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ቦታ ብሕብረት ምቕማጥ፡ ግጭታት ከለዓዕል ተኽእሎ ኣለዎ። ንስኹም፡ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

  • ኣብ ግዜ ግጭት፡ ብኽብረትኩም ርግእ በሉ።
  • መፍትሒታት ግጭት ብምምጻእ፡ ኣብቲ ቦታ ብዝቕመጡ ሰባት ንእተላዕለ ግጭታት ከተዕርፍዎ ጸዓሩ።
  • ብዛዕባ ዝኾነ ሓደገኛ ኲነታት፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ሓብሩ።
  • ህጹጽ ኲነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ናብ ኣገልግሎት ድሕነት ወይ ፖሊስ ከባቢ ደውሉ።
  • ግዳይ ዓመጽ ዓሌትነትን የማናይ ክንፍን ምስእትኾኑ፡ ደገፍን ሓገዝን ንምርካብ ንተንቀሳቓሲ ምኽሪ ግዳያት (mobile victim consultation) ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ሓገዛት/ረብሓታት

ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሕጋዊ ሓገዛትን ንዕኡ ዚሰማማዕ መባእታዊ ኣገልግሎታት ሓገዝን ኽትቕበሉ ኢኹም።

ጥረ-ገንዘብ ዘይኮነ ሓገዛት ድማ ኽትቕበሉ ኢኹም፥

  • ንቚርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ዚኸውን ቮውቸራት
  • ኮቦርታ ኣንሶላን መቕረብ ምግብን
  • ክዳውንትን መሳርሒታት ጽሬትን

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንውልቃዊ ጠለባትኩም ዚውዕል ናይ ጁባ ገንዘብ ኽትቕበሉ ኢኹም። እዚ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ይኽፈል፣ ብመሰረት ሕጋዊ ዕድመ (18 ዓመት) ድማ ንሓደ ሰብ ከምዝቕመረሉ ይኸውን። ሓደ ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ጥራይ ድማ ንምሉእ ክፍሊት ይቕበል። ካልኦት ኣባላት ስድራ፡  ጐደሎ ክፍሊት ይውሃቦም።

ናውቲ ንጽሕና፡ ክፋል’ቲ ዚውሃብ መባእታዊ ኣገልግሎታት ሓገዝ እዩ። ናይ ጁባ ገንዘብ ምስረኸብኩም፡  ንዓኹም ዘድልየኩም ነገር ባዕልኹም ኽትዕድጉ ኣለኩም። ኣብ ከተማ ንኽትዕድግሉ ዘፍቅደልኩም ቮውቸራት ክዳውንቲ፡ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኽትቕበሉ ኢኹም። ክዳውንቲ ብህጹጽኣብ ዘድልየሉ እዋን ድማ ብመገዲ ዓበይቲ ድኳናት ክዳውንቲ ከምዚውሃብ ይኸውን።

ክንክን ጥዕና

ብርቱዕ ሕማም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣብቲ ዘለኽሙዎ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ነቑጣ ቀረብ ሕክምና (MediCare) ብኽብረትኩም ተራኣዩ። ኣብ ግዜ መዓልቲ፡ ኣብቲ ቦታ ኲሉ ግዜ ዶክተር ትረኽቡ ኢኹም።

ኲነታት ጥዕናኹም ኣብ LAE ክሕከም ኣብዘይክእለሉ እዋን፡ እቲ ዶክተር፡ ተወሳኺ ሕክምና ንኽትረኽቡ ናብ ካልእ ዶክተር ንኽትከዱ ክእዝዘልኩም ይኽእል እዩ። ከምኡ ንምግባር፡  ናብ ካልእ ሕክምና እትመሓላለፍሉ ደብዳቤ (Überweisungsschein) ክህበኩም እዩ።

ብርቱዕ ሕማም ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ድማ መሐከሚ ወረቐት (treatment certificate (Behandlungsschein))  ኲሉ ግዜ የድልየኩም። እዚ ወረቐት ንኽውሃበኩም ከተመልክቱን፡ ዶክተር ቅድሚ ንዓኹም ምርኣዩ ድማ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክትወስዱን ይግባእ።

በቲ ዘጋጠመኩም ዝኾነ ነገር ጸቕጢ ምስዝስምዓኩም፡  ኽፉእ ድቃስ እንተነይርኩም ወይ ኣካልኩም ዘይንቡር ግብረ-መልሲ ምስዘርኢ፡ ኣሰንባዲ ኲነታት ከጋጥመኩም ተኽእሎ ኣሎ። ደገፍ (ኣብ LAEዝውሃብ ክሳዕ ዝኾነ፡  ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሃል (Halle) ከምኡውን ማግደበርግ (Magdeburg) ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰነ-ኣእምሮዊ ማሕበራዊ ኲነታት (Psychosocial Office (Psychosozialer Dienst)) ከምኡውን the ብማኣከላልስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ኲነታት (Psychosocial Centers (Psychosoziale Zentren)) ይውሃበኩም እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ኣብቲ ቦታ ቆጸራ ሓዙ።

ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ (ወይ ካልእ ብጾታ ዚመሓላለፍ ሕማማት) ዚምልከት ደገፍ ኣብ ዘድልየልኩም እዋን፡ ብኽብረትኩም ኣብ ሃልበርስታድት (Halberstadt)፡ ሃል (Halle) ወይ ማግደቡርግ (Magdeburg) ዚርከብ ደገፍ ኤች.ኣይ.ቪ (HIV-supports (AIDS-Hilfen)) ተወከሱ።  እዚ ቦታ’ዚ፡  መንነትኩም ከይሓበርኩም ምኽሪ ክህበኩም ይኽእል፣  ብፍሉይ ክትውከስዎም እትኽእሉ ነቑጣታት ድማ ክሕብረኩም እዩ።

ኣብ LAE ንእተሕልፍዎ ግዜ ምውዳብ

ንመስርሕ ዑቕባኹም ብዚምልከት. ግዜ ሃቡን ብትዕግስቲ ተጸበዩን። ነቲ ብማእከላት ምኽሪ ከባቢ ንዝህብኦ ኣገልግሎታት  ከምኡውን ምስኡ ዚኸይድ ሓበሬታ ዚህብ ጽሑፋት (በረርቲ፡ ቪድዮታትን ካልእን) ተጠቐሙሉ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ዚኸውን ንርእስኹም ከተዳልዉ ትኽእሉ።

ጀርመንኛ ንኽትምሃሩ እኹል ግዜ ሃቡ። ኣብቲ ዘለኽሙዎ መንበሪ ቦታ፡ ቛንቋ ጀርመን ንኽትምሃሩ መብዛሕቱ ግዜ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ዝውሃብ ዘሎ ዕድላት ተጠቕሙሉ ወይ ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ብምሕታት ባዕልኹም ብዛዕባ ክትምሃርሉ እትኽእሉ ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።

ንስደተኛታት ዝውሃብ ትምህርቲ ሕብረ-ቛንቋዊ ናይ ምልላይ ግዜ ዝኣመሰለ ናይ ፈለማ ኣገልግሎታት ምልላይ ግዜ ከምዘሎ ብኽብረትኩም ተገንዘቡ። ካብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቦታታት (ንኣብነት፡ ኮማዊ ኮሌጅ ምምሕዳር ከተማ)፡ ትምህርቲ ጀርመንኛ ወይ ኣብ ስሩዕ መዓልታዊ ናብራ ዜተኮረ ትምህርቲ ንኽትምሃሩ ዕድላት ኣለኩም። ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ጀርመን ኣፍልጦ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣስተብህሉ፥ እዚ ትምህርታት ገንዘብ ዝኽፈሎ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብኽብረትኩም ኣቐዲምኩም ሕተቱ።

ካብ ገዛኻ ወጺእካ ምኻድ፡ ካብ ንወለዲ ንላዕሊ ንቖልዑ ይኸፍእ። ስለዚ፡ ደቅኹም ብሓባር ኮይኖም ንኽጻወቱ ዕድላት ሃብዎም። ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ድማ ደቅኹም ዝዘናግዕሉ ግዜ ንኽህልዎም ዕድላት ይውሃቦም እዩ። ደቅኹም፡ ኣብኡ ንኽሳተፉ ኣተባብዕዎም።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፥ ከም ሕጋዊ መጉዚት መጠን፡ ንድሕነትን ተግባራትን ደቅኹም ብቐንዱ ሓላፍነት እትስከሙ ንስኹም ኢኹም። እዚ ድማ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ፡ ውላድኩም ኣበይ ቦታ ከምዘሎ ኲሉ ግዜ ክትፈልጡ ይግብኣኩም ማለት እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ባዕልኹም ተኸታተልዎ ወይ ድማ ነቶም ብቐሊሉ ንዓኹም ክረኽብኹም ዝኽእሉ ካልኦት ሕጋውያን መግዚት ሓብርዎም። ውላድኩም ድማ ንስኹም ኣበይ ከምዘለኹም ኲሉ ግዜ ክፈልጥ ይግባእ።

ኣብ ዕድላት ስራሕ ወይ ስራሓት ግብረ-ሰናይ (ትርጉም፡ ኣብ ግዜ በዓልታት ዚውሃብ ደገፍ፡ ናይ ጽሬት ስራሓት፡ ምጽጋንን ካልእ ስራሕን) ተሳተፉ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ጀርመን ናይ ፈለማ ተሞክሮኹም ከተጥርዩ ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡  ንዘለኩም ቀጥታዊ ኲነታት መነባብሮ ብንጥፈት ቅርጺ ተትሕዙን ንዝውሃበኩም ናይ ጁባ ገንዘብ ከምዝዕንትር ትገብሩን።

ክኢላዊ ዓቕምታት ምግምጋም

ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከብ ትካል ሽቕለት ፈደራላዊ መንግስቲ (Bundesagentur für Arbeit)፡ ንዘለኩም ክኢላዊ ብቕዓትኩም ገምጋም ይገብር እዩ። ብዛዕባ ዘለኩም ትምህርታውን ክኢላውን ዓቕምታት ከምኡውን ኣቐዲምኩም እትሰርሕዎ ዝነበርኩም ስራሕ ብዚምልከት ክትሕተቱ ኢኹም። እቲ ዘለኩም ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ተደላዪ እንተኾይኑ፡ ቅልጡፍ ምኽሪ ዕዳጋ ሽቕለት ክውሃበኩም እዩ፣ ነቲ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምቕባል ድማ ናይ ምኽሪ ግዜ ክውሃበኩም እዩ። እቲ ዘለኩም ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ነቲ ዕዳጋ ሽቕለት ከባቢ ዝሓቶ ጠለባት ዜማልእ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዚምልከቶ ምምሕዳር ከተማ ከምእትምደቡ ኺግበር ይከኣል እዩ።

ብቕዓትን ክእለትን፡ ኣብ መብዛሕቱ ሞያታት የድሊ። ብፍላይ ሞያዊ ስልጠና ዝወሰድኩም እንተዄንኩም ወይ ዲግሪ ዩኒቨርሲቲ እንተልይኩም፡ ኣብ LAE ንዝግበር ገምጋም ብቕዓት ክትርብሕሉ ድማ ይግባእ።

ቀንዲ መሰል ዑቕባ

ሕጋዊ መሰል ዑቕባ ዓለም ለኻዊ ሕጊ እዩ። ኣብ ሃገረ ጀርመን ድማ ኣብ ቅዋማ ሰፊሩ ይርከብ። (ዓንቀጽ 16a: „ፖለቲካዊ ዱጎና ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ሰባት መሰል ዑቕባ ኣለዎም“)። ስለዚ መሰል ዑቕባ ክኽበረልኩም ዝኽእል እንተ ደኣ ኣብ ሃገርኩም ብፖለቲካዊ ጸገማት ትድለዩ ኮይንኩም ነዚ ድማ ከተመስክሩዎ ምስ ትኽእሉ እዩ። ወይ ድማ ብኻልእ ሽግራት ከም ኲናት ዝኣመሰሉ ኣብ ህይወትኩም ዘስግእ ጉነታት ኣቲኹም እዩ። ብተወሳኺ ድማ ሃገረ ጀርመን፡ ድሕሪ ናይ ጀነቫ ዋዕላ ስደተኛታት ኣባል ምዃና፡ ዓለም ለኻዊ ክንክን ክግበረሎም ዘለዎም ስደተኛታት ክትዕቅብ ትግደድ እያ።

ስለዚ፡ ጸግዒ ንኽረኽቡ እትህብዎ ውልቃዊ ምኽንያታት፡ ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ ከምዚምርመር ኪኸውን እዩ።

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF)

ኣብ ጀርመን ዚቐርብ መመልከቲ ዑቕባ፡ ናብ  ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF) ጥራይ ኪቕረብ ይከኣል። BAMF፡ ቤት ፍርዲ ዘይኮነስ በዓል-መዚ እዩ። ኣብ መበቆል ሃገርኩም መከራ ዘጋጠመኩም እንተኾይኑን ናብታ ሃገር ምስእትምለሱ መከራ ንኸየጋጥመኩም ትሰግኡ እንተዄንኩምን ከረጋግጽ እዩ። መከራ ዘጋጠመኩም እንተኾይኑ፡ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ናይ መንግስቲ ጸግዒ ክውሃበኩም ኣገዳሲ ነገር እዩ። ኣብ ካልእ ክፋል መበቆል ዓድኹም ድማ ጸግዒ ክትረኽቡ ትኽእሉ እንተዄንኩም ድማ ከረጋግጽ እዩ።

እቲ ንምርግጋጽ ዚግበር መስርሕ፡ ኣብቲ እተቕርብዎ ውልቃዊ መመልከቲ ዑቕባ ጥራይ ዚሙርኮስ እዩ። ንመመልከቲ ዑቕባ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣቕርቡዎ። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ንመመልከቲ ዑቕባ ኣበይን መዓስን ከምእተቕርብዎ ክሕብረኩም እዩ።

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ብስምኩም ፋይል ብምድላው፡ ንውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኹም ክስንድ እዩ። ዕድሜኹም 14 ዓመት እንተኣኺሉ፡ ስእሊ ክትስኣሉን ኣሰር ኣጻብዕቲ ክውሰደልኩምን እዩ።

መመልከቲ ኣብ እተቕርብሉ እዋን፡ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ንዘለኩም መሰላትን ግዴታትን ሓበሬታ ክትውሃቡ ኢኹም። እዚ ሓበሬታ’ዚ፡ ብሃገራዊ ቛንቋኹም ብጽሑፍ ክውሃበኩም እዩ። BAMF፡ ኣብ ቅድሚ ውሳኔ ዚህብ ኣካል ኣብ እትቐርብሉ ናይ ውልቅኹም ቆጸራ፡ ኣስተርጓሚ/ተርጓሚ ንኽህሉ ክዕድመልኩም እዩ። ብቛንቋ ኣዴኹም ጉዳይኩም ንኽስማዕ መሰል ኣለኩም። ንጠበቓኹም ድማ ናብቲ ቆጸራ ምሳኹም ሒዝኩምዎ ንኽትመጹ ይፍቀደልኩም እዩ። ብዛዕባ ጉዳይኩም ንኻልእ ሰብ ሓቢርኩም እንተዄንኩም ድማ ንእትኣምንዎ ሰብ ምሳኹም ሒዝኩም ኽትመጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ መመልከቲ ዑቕባ ዝሕተት ነገራት እንታይ እዩ?

መመልከቲ ፋይልኩም ሓንሳእ ምስ ኣቕረብኩም፡ ኣብ ጀርመን ጸግዒ ንኽትረኽቡ ኣመልክቱ። BAMF፡ ጀርመን ንዘቕረብክሙዎ መመልከቲ ብሓላፍነት ክርኢ ዚኽእል እንተኾይኑ ቅድሚ ዂሉ ከረጋግጽ እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ምስኸውን፥

  • ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ሕቶ ዑቕባ ዘቕረብኩም እንተዄንኩም፣
  • ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ዝረኸብኩም እንተዄንኩም፣
  • ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ ዑቕባ፡ ብኻልእ ኤውሮጳዊት ሃገር እተነጽገ እንተኾይኑ፣

ጀርመን፡ ብወግዒ ናትኩም ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ። ኣብ ከምዚ ኲነታት፡ ናትኩም ሓላፍነት ናብ እትወስድ ሃገር ንኽትጉዓዙ ዝገልጽ ካብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ደብዳቤ ክውሃበኩም እዩ።

ወረቓቕቲ ፍቓድ መንበሪ

ኣብ ካልእ ነቑጣ እተዋህበኩም ምስዘይከውን፡ “ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ” (“Ankunftsnachweis”) ካብ ሰራሕተኛታት LAE ክውሃበኩም እዩ። ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ፡ ነቲ ከም ሓታቲ ዑቕባ እተመዝገብክምሉ ወረቐት ምዝገባ (“Bescheinigung über die Meldung als Asylsuchender” – BÜMA) ዚትክእ እዩ። ናብዚ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ ወይ ወረቐት፡  ንውልቃዊ ሓበሬታኹም ስእልኹምን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሰነዳት’ዚ ኣብ እተዋህበሉ ዝቐልጠፈ ግዜ፡ ከም ሓታቲ ዑቕባ ከምእተመዝገብኩም ክስነድ እዩ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ውልቃዊ መመልከቲ ዑቕባ ንኸተቕርቡ ክዕድመኩም እዩ።

መመልከቲ ዑቕባኹም ካብ ዘቕረብክሙሉ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ፡  ፍቓድ መንበሪ  (Aufenthaltsgestattung) ንኽትረኽቡ፡ ናብዛ ሃገር ከምዝኣተኹም ዚገልጽ መረጋገጺ ወይ  BÜMA  ክውሃሃብ እዩ። ነዚ ሰነድ’ዚ ኣብ ኲሉ እዋን ምሳኹም ሒዝክሙዎ ክትንቀሳቐሱ ኣለኩም፣ መንነት ንምርግጋጽ ፖሊስ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ድማ ከተርእይዎም ኣለኩም። ኣብዚ ሰነድ መንነት፡ ኣበይ ቦታ ኽትቕመጡ ከምዝፍቀደልኩም ይገልጽ እዩ። ኣብ Saxony-Anhalt ናብ ዝርከብ ንዓኹም ናብ ዝርዕም ምምሕዳር ከተማ ካብ እተመሓላለፍክሙሉ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ፡  ኣብ መንበሪ ኣድራሻኩም ለውጥታት ከምእተገብረ  ብኡንብኡ. ንፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ከምዝሕበር ኪኸውን እዩ።

ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ምኽሪ – ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ እተገብርዎ ምድላዋት

ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ (Caritas) ኣብ ዚርከብ መስርሕ ዑቕባ ኣመልኬተን ዜማኽራ ማእከላት ኣለዋ። ብዛዕባ ኲሉ ደረጃታት መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ንዘለኩም መሰላትን ግዴታትን ካብ ማኣከላት ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገርኩም ምምላስ ወይ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምስግጋር ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ውልቃዊ ምኽሪ ኽትረኽቡ ድማ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ምኽሪ፡ ብዘይ ገንዘብ ብናጻ እዩ፣ መንነትኩም ከይተፈልጠ እትረኽብዎ ኢኹም፣ ከምኡውን ዘለኩም እምነት ወይ ስነ-ሓሳብ ኣየገድስን እዩ። እቲ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ብBAMF ዚዳሎ  ናይ ቪድዮ ሓበሬታ (ብ10 ቛንቋታት) ድማ ነቲ ጉዳይኩም ዚስምዓሉ ግዜ ከዳልወኩም እዩ። ኣብቲ መርመራ ዚካየደልኩም ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ድማ ንዘለኩም ሕቶ ሕተቱ።

ጉዳይኩም ዚስምዓሉ ግዜ

እቲ መብዛሕቱ ግዜ፡ “ቃለ መጠይቕ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ጉዳይኩም ዝስምዓሉ ግዜ፡  ኣመልከትቲ ንምንታይ ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ከምዝወጹ ዝገልጽሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕድል እዩ። ብመሰረት’ቲ ጉዳይኩም ዝስምዓሉ ግዜ ድማ  ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ንኽትረኽቡ ፍቓድ ዝውሃብኩም እንተኾይኑን እንተዘይኮይኑን ክውስን እዩ።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፥ ጉዳይኩም ዝስምዓሉ ግዜ፡  እቲ ዑቕባ ንኽትሓቱ ዘንቀልክሙሉ ውልቃዊ  ምኽንያት ብሰፊሑ እትገልጽሉ ናይ መጀመርታን እንኮን ዕድል እዩ። ኣገዳስነት’ዚ ቃለ-መጠይቕ ፍለጥዎን ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ዚኸውን ምድላዋት ድማ ግበሩንን።

ኣብ ዓቕምታት BAMF ምርኩስ ብምግባር፡  ቃለ መጠይቕ፡ መመልከቲ ምስኣቕረብኩም ድሕሪ ገለ ግዜ ይካየድ። “ምስማዕ ጉዳይ ብመሰረት ዓንቀጽ 25 ሕጊ መስርሕ ዑቕባ” (Anhörung gemäß § 25 Asylverfahrensgesetz)፡ ናይ ጽሑፍ ዕድመ ክውሃበኩም እዩ። ኣስተርጓሚ፡ ብኣካል ክርከብ እዩ። ጉዳይኩም ዝስምዓሉ ቛንቋ እንታይ ምዃኑ ኣቐዲምኩም ንፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ሓብሩ። ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን፡ ብቛንቋ ኣዴኹም ጉዳይኩም ንኽስማዕ መሰል ኣለኩም። ከም ኣንስታይ ተርጓሚ/ኣስተርጓም ዝኣመሰለ ፍሉይ ድሌታት ምስዝህልወኩም፡ ኣቐዲምኩም ክትሕብሩ ይግባእ።

እቲ ጉዳይ ዝስምዓሉ ግዜ፡ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታኹም፡ ካብ ሃገርኩም ዝሃደምክሙሉ ምኽንያትን ናብ ጀርመን ክትመጹ ዝገበርክሙዎ ጉዕዞን ዚምልከት 25 ሕቶታት ዝቐርበሉ ግዜ እዩ። ነቲ ግዜ’ዚ ንምድላው ግዜኹም ተጠቐሙ። ቅኑዕን ምሉእን ሓበሬታ ሃቡ። እንተተኻኢሉ፡ ንመረጋገጺ ዝኸውን ጽሑፋት ወይ ስእልታት ኣቕርቡ። እቲ ውሳኔ ዚህብ ኣካል፡ እቲ እትህብዎ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ ግዜ ምዝገባ ዝሃብክሙዎ ሓበሬታ ዚሰማማዕ እንተኾይኑ ከረጋግጽ እዩ። እቲ እትህብዎ መግለጺታት ናብቲ መበቆላዊ ቛንቋ መሊሱ ከምዝትርጐም ኽትገብሩ መሰል ኣለኩም። ጉዳይ ኣብ ዝስምዓሉ ግዜ ዝቐረበ ኲሉ መግለጺታት ብዚምልከት ተተርጒሙ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ቅኑዕ ምዃኑ ኣረጋግጹን ብኽታምኩም ድማ ኣረጋግጹን።

መጠንቀቕታ፥ ኣስማት ኣባላት ስድራቤትኩም ብትኽክል ከምእተጻሕፈ ኣረጋግጹ!

ውሳኔ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ውሳኔ ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ (ወግዓዊ ውሳኔ – Bescheid) ዚምልከት ብጽሑፍ ክሕብረኩም እዩ። እቲ ወግዓዊ ውሳኔ፥ ምኽንያት’ቲ እተዋህበ ውሳኔ ከምኡውን እቲ ውሳኔ ዳግማይ ክርኣየሉ ዚኽእል እንተኾይኑን ብኸመይ ከምዝቐርብን ይግባይ ድማ ብኸመይ ከምዝሕተትን ዚሕብር ምልክታ ይግባይ (Rechtbehelfsbelehrung) ዜጠቓልል እዩ።

እዚ ዚስዕብ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እወታዊ  መልሲ ክውሃበኩም እዩ፥

  • ዑቕባ ንኽትሓቱ መሰል ከምዘለኩም እንተተፈሊጡ (ዓንቀጽ 16ሀ ሕጥቦ-ጽሑፍ 1 መሰረታዊ ሕጊ)፡ ወይ
  • ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ጀነቫ፡ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ትረኽቡ እንተዄንኩም  ክፍሊ 3 ንኡስ-ክፍሊ 1 ኣዋጅ ዑቕባ)፡ ወይ
  • ተወሳኺ ጸግዒ ትረኽቡ እንተዄንኩም (ክፍሊ 4 ንኡስ-ክፍሊ 1 ኣዋጅ ዑቕባ)፡ ወይ
  • ማዕቐብ ምስጓጒ ዝጸንዔ እንተኾይኑ (ክፍሊ 60 ንኡስ-ክፍሊ 5 ወይ 7 ኣዋጅ

ተቐማጦ)።

እወታዊ ውሳኔ፡ ሕጋዊ ፍቓድ ይህብ። ፍቓድ መንበሪ (Aufenthaltserlaubnis) የካትት እዩ። ኣብዚ ምኽንያት ምርኩስ ብምግባር፡ ፍቓድ መንበሪ፡ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ዓመታት ፈለማ ትውሃቡ።

ኣሉታዊ ውሳኔ ኣብ ዝውሃበሉ እዋን፡  ነዛ ሃገር ሓዲግኩም ንኽትወጹ ዜገድድ  ናይ ምውጻእ ጠለብ ከምኡውን መጠንቀቕታ ጥርዝያ ክውሃበኩም እዩ። እቲ ጥርዝያ፡ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት፡ Duldung (ግዝያዊ ምቑራጽ ጥርዝያ) ብግዝያዊ መልክዕ ክውሃበኩም ይከኣል እዩ። Duldung፡ ምዝጉባት ሰባት ምዃንኩም ዜረጋግጽ ግዝያዊ ሰነድ እዩ።. ሕጋዊ ፍቓድ ግን ኣይኮነን።

ኣሉታዊ ውሳኔ ምስተቐብልኩም፡ ምስ ጠበቓኹም እትገብርዎ ርክብ

ኣንጻር ውሳኔ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።  እቲ ምልክታ ይግባይ፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ሕጋዊ መስርሕን ኣመልከትቲ ከቕርብዎ ዘለዎም ገደብ ግዜን ዚሕብር እዩ። ይግባይ ከተቕርቡ ትደልዩ እንተዄንኩም፡ ብኽብረትኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ መልሲ ክትህቡ ኣለኩም።

ጠበቓ ክትረኽቡ ኣብ ዝመደብክሙሉ እዋን፡ ነቲ ስጉምቲ’ቲ ቀልጢፍኩም ክትወስድዎ ይግባእ።  ማእከል ምኽሪ መስርሕ ዑቕባ ካሪታስ (Asylverfahrensberatung der Caritas) ከምኡውን ቤት ምኽሪ ስደተኛታት (Flüchtlingsrat)፡ ኣብ ሕጋዊ ጸግዒ ዚምልከት ዘይሻራዊ ምኽሪ ይህቡ።

ናይ ምክትታል መመልከቲ ወይ ካልኣይ መመልከቲ ምቕራብ

ኣብቲ ፈለማ ዘቕረብክሙዎ መስርሕ ዑቕባ ኣሉታዊ መልሲ እንተረኺብኩም፡ ናይ ምክትታል መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ ዑቕባ፡  ኣብ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ወይ ኣብ ነርወይ ወይ ስዊዘርላንድ እተነጽገ እንተኾይኑ፡ ጀርመን፡ ኣብ ዑቕባኹም ሓላፍነት ትወስድ። ኣብ ከምዚ ኲነታት ድማ ካልኣይ መመልከቲ ከምዝቐርብ ይግበር።

ናብ መበቆል ሃገርኩም ንኽትምለሱ ምስትግደዱ ሓደጋ ንኸጋጥመኩም ተኽእሎ እንተልዩ ወይ ኲነታት’ቲ መበቆል ሃገርኩም እናኸፍኤ ዚኸይድ እንተልዩ፡ ከምኡ ንኽትገብሩ ይከኣል እዩ። BAMF፡ ንመርትዖኹም እንተተቐቢልዎ፡ ንምሉእ መስርሕ ዑቕባ ደጊምኩም ከተካይዱ ኢኹም።

ወለንታዊ ምምላስ

ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ እንተተቐሲብኩም ወይ ናብ መበቆል ሃገርኩም ንኽትምለሱ ትደልዩ እንተዄንኩም፡ ወለንታዊ ምምላስ፡ ካብ ግጭት ናጻ ዝኾነን ውሑስ ኣማራጽን እዩ፣ ካብ ግዱድ ጥርዝያ ዚምረጽ እዩ።

REAG/GARP-ዚጽዋዕ ፕሮግራም ፈደረሽን፡ ንወለንታዊ ምምላስ ዚውሃብ ፕሮግራም ደገፍ እዩ። ኣብ ግዜ ወለንታዊ ምምላስ፡ ፋይናንሳዊ ወይ ካልእ ዓይነት ደገፍ ንምርካብ ሕጋዊ ሕቶ ኣይሕተትን እዩ።

ነቶም ኣብ ማእከላት ምኽሪ መስርሕ ዑቕባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ርኸቡ። ኣብቲ እተቕርብዎ መመልከቲ ደገፍ ይህብኹምን ካብ ሃገር ንኽወትወጹ መደባት ይሰርዕልኩምን።

ምጽንባር ስድራቤት

ከም ስደተኛ ተቐባልነት ዝረኸብኩም እንተዄንኩም ወይ ዑቕባ ንኽትረኽቡ መሰል ዘለኩም እንተዄንኩም፡ ከም ውጽኢቱ ንመጻምድትኹምን ዘይተመርዓዉ ትሕቲ ዕድመ ደቅኹምን ከተምጽኡ መሰል ኣለኩም። መመልከቲ ፍቓድ ምጽንባር ስድራቤት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ጉዳያት ወጻኢ ኣቕርቡ። እዚ ድማ እታ ቀንዲ ስድራቤትኩም፡ ናብ  Saxony-Anhalt ክትኣቱ ትኽእልን ሕጋዊ ፍቓድ ትረኽብን ማለት እዩ። እዚ መመልከቲ’ዚ፡ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ካብ ዝረኸብክሙሉ ወይ ዑቕባ ንኽትረኽቡ መሰል ካብ እተዋህበኩም እዋን፡ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ከተቕርቡ ከምዘለኩም ብኽብረትኩም ተገንዘቡ።

ዝጽንበሩ ስድራቤት ተወሳኺ ጸግዒ ንኽረኽቡ መሰል ዘለዎም ሰባት ድማ  ክሳዕ 15 መጋቢት 2018 (ካብ 10/2016) ከምዚቛረጽ ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ስድራቤትኩም ናባኹም ንኽመጹ ብዝቐለለ መገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ጉዳያት ወጻኢ ከተመልክቱ ኽትክእሉ ኢኹም።

እቲ መስርሕ ዑቕባኹም ተወንዚፉ እንተልዩ ወይ ሃገራዊ ማዕቐብ ጥርዝያ ተገይርኩም እንተልዩ፡ ንምጽንባር ስድራቤት ድማ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ነገር’ዚ ንኽውሃበኩም፡ እኹል መቐመጢ ቦታታት ከምዘለኩምን ንርእስኹም ናብዛ ሃገር ንዝመጹ ኣባላት ስድራቤትኩም ብገንዘብ ንኽትድግፉ ከምእትኽእሉን  መረጋገጺ ክትህቡ የድልየኩም።

መንበሪ ገዛ

ድሕሪ ዑቕባ ምሕታትኩም እቶም ዑቕባ ዝሓተትኩሎም ክልል መዕቀሊ ገዛ ይገብሩልኩም። ህጻናት ዝርከብዎም ስድራቤት መብዝሕትኡ ግዜ ቀዳምነት ኣለዎም። ንበይኖም ዝተሰደዱ ወይ Geflüchtete ከኣ ወይ ከም ጉጅለ ሓቢሮም ወይ ከኣ ኣብ ናይ ሓባር መንገበሪ ገዛ ክዕቀቡ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ድማ ካብቲ ዘለኽሞ ቦታ ዝርከብ ኢሚግረሽን እኹል ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ክርከቡ ዝኽእሉ ሰባት

እቶም ክርከቡ ዚኽእል ኣገደስቲ ሰባት፡ ኣብ ክፍልታት መደቀሲ ወይ ኣብ ኣፓርትማ ንዝቕመጡ ሰባት ዝከታተሉ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት እዮም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ከምኡውን ወለንታውያን ወሃብቲ ሓበሬታን ኣሰልጠንትን፡ ብዛዕባ ፈለማ ዝህልወኩም ምጥያስ ዚምልከት ደገፍ ይህብኹም። ማእከላት ምኽሪ ስደተኛታት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣብ ስሩዕ ሰዓታት ስራሕ ቤት ጽሕፈት፡ ምኽሪ ይውሃበኩም። ኣብ መስርሕ ዑቕባ፡ ሕጋዊ መዳይ ወጻእተኛታት፡ ማሕበራዊ ሓገዛት፡ ከምኡውን ምምሕያሽ ክእለት ቛንቋን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝህሉ ካልእ ሕቶታትን፡ ትምህርትን ዓቕምን ዜተኮረ ብቑዕ ደገፍ ይህብኹም። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዘለኽሙዎ ቦታ፡ ትካላትን ማሕበራትን ኣለዋ። እዘን ትካላት’ዚ ድማ ሓበሬታ ይህባኹም፣ ብኣካል ይረኽባኹም፣ ኣብ ባህሊ፡ ስፖርትን ትምህርታት ቛንቋን ድማ ሓበሬታ ይህባኹም።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ስደተኛታት ምስ ትካላት ስደተኛታት ዝምድናታት ይገብሩ እዮም። መብዛሕቶም ድማ ጥጡሕ ናብራ ንኽነብር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ነቶም ናብዛ ሃገር ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት፡ ኣብ ትርጉምን ምጥያስን ሓገዝ ይህብዎም እዮም። ንዞባዊ መርበብ ትካላት ስደተኛታት Saxony-Anhalt (Landesnetzwerk der Migrantenorganisationen – LAMSA) ተወከሱ። ኣብኡ ሓበሬታ ክትረኽቡን ኣብ ከባቢኹም ዝርከባ ትካላት ስደተኛታት በዓል ምዃነን ክትፈልጡን ትኽእሉ ኢኹም።

ጀርመንኛ ኣጽንዑ

ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ቛንቋ ጀርመን ንኸትጽንዑ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ጀርመን ክትሳተፉን ጽቡቕ ስራሕ ክትረኽቡን ትኽእሉ። ነዚ ደገፍ ንምሃብ፡ ኲሎም ስደተኛታት፡ ካብኦም ድማ እቶም ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ፍሉጣት ስደተኛታት፡  ኣብ ትምህርታት ጽንባረ ህዝብታት ፈደረሽን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ትምህርታት’ዚ፡ ናይ 600 ሰዓታት ትምህርቲ ቛንቋን ናይ 300 ሰዓታት ትምህርቲ ምጥያስን ዜካትት እዩ። ትምህርቲ ምጥያስ ኣብ ዝካየደሉ ግዜ፡ መምርሒታት፡ መሰላትን ግዴታትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ዘሎ ህይወት ግብራዊ ፍልጠት ዚምልከት ትምህርቲ ይውሃብ።

ካብ ሃገራት ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ሶማልያ፡  ዋላ’ውን መስርሕ ዑቕባ ተወንዚፉ (ካብ 10/2016 ጀሚሩ) እንተሃለወ፡ ኣብ ትምህርቲ ምጥያስ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ንምግባር፡ መመልከቲ ናብ BAMF ብቐጥታ ከተቕርቡ ኣለኩም። ብዛዕብኡ ዝምልከት ድማ ንሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ኣማኻሪ ብኽብረትኩም ሕተቱ።

ብዙሕ መባእታዊ ሓገዛት፥ መሰረታዊ ትምህርታት፡ ካፈታት ቛንቋ፡ ምክትታል ቛንቋ ወይ ወለንታዊ ሓገዛት ማሕበራት ይውሃብ እዩ። ንዓኹም ዝከታተል ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ቦታኹም ብዛዕባ ዝውሃብ ተኽእሎታት ስልጠና ቛንቋ ዚምልከት ክሕብረኩም እዩ። ትምህርታት ቛንቋ፡ ምስ ምንዳይን ብቕዓትን ስራሕ እተጣመረ እዩ። ስለዚ፡ ንማእከል ስራሕ ወይ ወኪል ሽቕለት (Arbeitsagentur) ተወከሱ።

መጠንቀቕታ፥ ዘይምህላው ወይ ዘይእኹል ዓቕምታት ቛንቋ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንኸይትጣየስ ዝኽልክል ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ። ስለዚ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜን ብጽዑቕን ጀርመንኛ ንኸተጽንዑ ንዘሎ ኲሉ ዕድላት ተጠቐሙ።

ኣፍልጦ ሞያዊ ብቕዓታት

ኣብ ሞያዊ ስራሕ ኣብ ጀርመን ምስራሕ፡ መብዛሕቱ ግዜ ኣፍልጦ እተዋህቦ ሞያዊ ብቕዓት የድሊ እዩ። ሞያዊ ስልጠና ዝወሰድኩም እንተዄንኩም ወይ ኣካዳምያዊ ዲግሪ እንተልይኩም፡ እዚ ብቕዓታት ኣብ ፋይል ከምዝኣቱ ኽትገብሩ ኣለኩም።

ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝውሃብ ዕድላት ገምጋም ብቕዓታት ዘይተረባሕኩም እንተዄንኩም፡ ናብዛ ሃገር ምስ በጻሕኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ፡ ኣብቲ ዘለኽሙዎ ምምሕዳር ከተማ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ኣማኸርቲ ርኸቡ። ንወግዓዊ ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ሞያዊ ብቕዓትን ኣካዳምያዊ ዲግሪ ከምኡውን ተሞክሮ ስራሕ ዚግምግም ብወኪል ሽቕለት ዚካየድ ገምጋም ብቕዓት ዚምልከት ክሕብርኹም እዮም። ድሕረ-ባይታ ብቕዓትኩም ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ፡  ኣፍልጦ ብዛዕባ ዝርከበሉ ዕድላት ዚምልከት ምኽሪ ክትረኽቡ ይግባእ። ኣብ Network IQ ንዝርከባ ማእከላት ምኽሪ ተወከሱ። ኣብ ወጻኢ ንእተረኽበ ዲግሪ ኣፍልጦ ንክውሃበኩም፡ ኣማኸርቲ፡ ብዛዕባ ዚግበር ኣድካሚ ጉዕዞ ዚምልከት ደረጃ ብደረጃ ደገፍ ዚህቡ እዮም።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፥ ኣብ ጀርመን፡ መብዛሕቱ ሞያዊ ዓውድታት፡፥ብቕዓትን ሞያዊ ክእለታትን ክህልወኩም የድልዮ እዩ። እዚ ክእለታት’ዚ ድማ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ዚግበር ናይ ምኽሪ ግዜ ኪሕበር ይከኣል እዩ። ንገለ ዓይነታት ሞያዊ ዓውድታት ድማ ኣፍልጦ ክረክብ ከም ቅድመ-ዂነት ይቐርብ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ጀርመን በቲ ሞያ’ቲ ንኽትሰርሑ ንኽፍቀደልኩም እዩ።

ኣብ ዕዮ ምጽንባር

ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ስለዝረኸብኩም፡ ኣብ ጀርመን ንኽትሰርሑ ይፍቀደልኩም እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ደረት ዘይግበረሉ ፍቓድ ስራሕ ስለእተዋህበኩም እዩ። እቲ መስርሕ ዑቕባ ተወንዚፉ እንተልዩ ወይ ንኽትጥረዙ ንዝወጸ መደብ  (Duldung) እተደናጔየ እንተኾይኑ፡  ፍቓድ ስራሕ፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስተቐመጥኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክውሃበኩም ይከኣል እዩ። ፍቓድ ስራሕ ንኽትረኽቡ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።  ፈደራላዊ ወኪል ሽቕለት፡ መርመራ ዜካየድ እዩ። እቲ ክፉት ስራሕ፡ ነቲ  ክማላእ ዘለዎ ሕጋዊ ጠለባት ዜማልእ ምስዝኸውን፡ ኣብቲ ስራሕ ንኽትሰርሑ የፍቅደልኩም።

ኣብ LAE ትቕመጡ ክሳዕ ዘለኹም፡ ስራሕ ክትሰርሑ ኣይፍቀደልኩምን እዩ።

Saxony-Anhalt፡ ቅልጡፍ ገምጋም ብቕዓትን ምጽንባር ስራሕን ንኽህሉ ዚዓለመ እዩ። ብዙሓት መሻርኽቲ፡ ኣብ ምኽሪ ዕዳጋ ዕዮ ይተሓባበሩ እዮም። ምኽሪ፡ ኣብ ፈደራላዊ ወኪል ሽቕለት (BA)፡ ኣብ ማእከላት ስራሕ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ሞያን ቤት ምኽሪ ኢንዱስትርን ንግድን ብዝርከቡ ኣማኸርቲ ስደተኛታት ይውሃብ። ብዙሓት ማሕበራት ድማ ምኽሪ ብምሃብ ይሕግዛ እየን፥ ንኣብነት፥ ዞባዊ ተበግሶ “ሞያ ኣብ ኣተኲሮ” (“Fachkraft im Fokus”)፡ መርበብ ፕሮጀክት Job Bridge PLUS (Jobbrücke PLUS)፡ Network IQ ከምኡውን ዞባዊ መርበብ ማሕበራት ስደተኛታት (LAMSA e.V.). እየን። ንዓኹም ብዚምልከት ኣብ ግምት ብዛዕባ ዘእትውዎ ዕድላት ዕዳጋ ዕዮ ዚምልከት ብፍሉይ ሓላፍነት ንዝስከም መጉዚት ወይ ኣማኻሪ ሕተቱ።

መጠንቀቕታ፥ ዘይምህላው ወይ ዘይእኹል ዓቕምታት ቛንቋ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንኸይትጣየሱ ዚኽልክል ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ። ስለዚ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜን ብጽዑቕን ጀርመንኛ ንኸተጽንዑ ንዘሎ ኲሉ ዕድላት ተጠቐሙ።

ክንክን ቆልዑ

ኣብ ጀርመን ዝርከብ ነፍስወከፍ ቆልዓ፡ ኣብ ማእከል መዓልታዊ መእለዪ ቆልዑ (Kita) ንኽጸንሕ መሰል ኣለዎ፣ እዚ ቦታ፡ ቆልዑ፡ እናተመሃሩን ምስ ካልኦት ቆልዑ እናተጻወቱን ዝእለይሉ እዩ። ውላድኩም፡ ኣብ ገጠራዊ ወይ ከተማዊ ዞባ ኪቕመጥ ኣብ እተገብረሉ እዋን፡ ከምቲ እተጠቕሰ ኣገልግሎት ክረክብ እዩ። ኣብ ማእከል መዓልታዊ መእለዪ ቆልዑ ግዜኻ ምሕላፍ፡ ንቛንቋ ጀርመን ንኽትፈልጥን ምስ ካልኦት ቆልዑ ርክብ ንኽትገብርን ዕድል ይኸፍት። ንዓኹም ዝከታተል ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ማእከል መዓልታዊ መእለዪ ቆልዑ ንኽትኣትዉ መመልከቲ ኣብ ምምላእ ይሕግዘኩም።

ወግዓዊ ትምህርቲ

ኣብ ጀርመን፡ ኲሎም  ቆልዑ፡ ትምህርቲ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም። ኣዋልድን ኣንስትዮን፡  ዕድሚኦም ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ትምህርቲ ክጅምሩ ብሕጊ ይግደዱ። ደቅኹም ብዘይ ብኩራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩ ይግደዱ እዮም። ኣብ ብዙሓት ከተማታት Saxony-Anhalt፡ ፍሉይ ትምህርታት ደገፍ ቛንቋ ዝህባ ኣባይተ-ትምህርቲ ኣለወን። ውላድኩም፡ ኣብዘን ኣባያተ-ትምህርቲ ጀርመንኛ ክመሃር ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ ምስ ካልኦት ቆልዑ ኮይኑ ነቲ ትምህርታት ይከታተል። ውላድኩም  ጀርመንኛ ንኽምሃር ደግፍዎ። ንዓኹም ዚከታተል ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ቀረባኹም ብዛዕባ ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ሓበሬታ ይህበኩም፣ መመልከቲ ኣብ ምቕራብ ድማ ይሕግዘኩም።

እቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኲሎም ቆልዑ፡  ፈለማ መባእታዊ ትምህርቲ ይምሃሩ። ድሕሪኡ፡  ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂሮም ከምዝምረቑ ይኾኑ። እተፈላለየ ዓይነታት መመረቕታ ኣሎ። ንውላድኩም ዚምልከት ተወሳኺ ትምህርቲ ንምርካብ ቅድመ-ዂነታት ኣሎ። ውላድኩም፡ ዲግሪ ወይ ወረቐት ምስክር ካልኣይ ደረጃ (Haupt- oder Realschulabschluss) ምስዝህልዎ፡ ሞያዊ ስልጠና ኪወስድ ይኽእል እዩ፣ ዲፕሎማ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ እንተሊይዎ፡ ስሩዕ ትምህርቱ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ዲግሪ ዘይብልካ ድማ ጽቡቕ ስራሕ ንኽትረክብ ከቢድ እዩ።

ብዛዕባ ስርዓተ-ትምህርቲ ጀርመን ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፡  ኣብ Saxony-Anhalt ብዝርከብ ዞባዊ መርበብ ማሕበራት ስደተኛታት ይውሃብ እዩ።.

ሞያዊ ስልጠና

ኣብ ጀርመን፡ ንብዙሕ ሞያታት ዚምልከት ብቕዓት፡ ብመገዲ “ድርብ ሞያዊ ስልጠና” (duale Ausbildung) ይርከብ። እዚ ስልጠና፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ሰለስተ ዓመታት ይወስድ ከምኡውን ካሕሳ ዚውሃቦ እዩ። ኣብ ኩባንያ ኬድካ ዝርከብ ናይ ምልምማድ ትምህርትን ኣብ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ እትረኽቦ ክልሰ-ሓሳባዊ ፍልጠትን ብምዝማድ ዚውሃብ እዩ።

ትምህርታዊ ስልጠና ድማ ኣሎ። ትምህርታዊ ስልጠና፡ መብዛሕቱ ግዜ ንሰለስተ ዓመታት ይውሃብ፣ ክልሰ-ሓሳባዊ ፍልጠት ንምሃብ ድማ ዚዓለመ እዩ። ካሕሳ ግን ኣይወሃቦን እዩ።

ኣብ ማእከላት ስራሕ ብዛዕባ ዘሎ እተፈላለየ ዕድላት ስልጠና ዚምልከት ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ወጢንክሙዎ ዘለኹም ስልጠና ዚምልከት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱ ትኽእሉ ምዃንኩም ንኽትፈልጡ፡ ብኽብረትኩም ሕተቱ።

እቲ ቀጺልኩም እትረኽብዎ ትካል፡ ዞባዊ መርበብ ማሕበራት ስደተኛታት እዩ። ዞባዊ መርበብ፡ ሰልጠንቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ንመንእሰያት ስደተኛታት ደገፍ ይህብን ኣብ ግዜ ስልጠና ድማ ንዕኦም የሰንን።

ትምህርቲ

ወረቐት ምስክር መእተዊ ዩኒቨርሲቲ (Abitur) እንተሊኩም ወይ ትምህርቲ ድሮ ዝጀመርኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት Saxony-Anhalt ክትምሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ክትምሃርዎ እትደልዩ ኮርስ ዩኒቨርሲቲ ምርኩስ ብምግባር፡ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ዩኒቨርሲታት Saxony-Anhalt ብኽብረትኩም ኣመልክቱ።

ንደቀኣንስትዮ ዚውሃብ ፍሉይ ጸግዒ

ኣብ ሃል፡ ነቶም ዓመጽ ዘጋጠሞም ወይ ፍሉይ ጸግዒ ንዘድልዮም ደቀኣንስትዮን ቆልዑን እተዳለወ መንበሪ ገዛ  (FlüchtlingsFrauenHaus) ኣሎ። ኣብኡ ንምቕማጥ፡ ፍቓድ መንበሪ ወይ Duldung (ውሳኔ እተቛረጸ ጥርዝያ) ክህልወኩም ኣለዎ። እዚ ቦታ’ዚ፡ መጥቃዕትታት ንኸየጋጥመካ መጽለሊ ዚህብ እዩ፣ ከምኡውን ርእስኹም ክኢልኩም እትነብርሉ ህይወት ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ይውሃበኩም፣ እዚ ድማ ኣብ ግዜ ውልቃዊ ጸገማት ሓገዝ ዚህብን ንመዓልታዊ ህይወትኩም ከምእትገጥሙ ዚገብርን እዩ።

መንነትኩም ከይተፈልጠ ደገፍ ኽትረኽቡ እትደልዩ እንተዄንኩም፡ ን”መስመር ሓገዝ” (“Hilfetelefon”) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ደቀኣንስትዮ፡ ንኻልኦት ደቀንስትዮ ብ15 ቛንቋታት ምኽሪ ይህባ እየን።

ብሰንኪ ጾታዊ መንነት ዘጋጥም ጸገማት

ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ኣካልኩም ድላይኩም ንኽትውስኑ መሰል ኣለኩም። ብሰንኪ ዘለኩም ጾታዊ  መንነት ኣድልዎ እንተገጢምኩም፡  ኣብ ቦታኹም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሃል ካብ ዝርከባ ማእከል ምኽሪ Begegnungs- und Beratungszentrum “lebensart” e.V. (BBZ) ከምኡውን ኣብ ማግደበርግ ካብ ዝርከብ CSD Magdeburg e.V. ወይ ኣብ ማሕበር ሰደማውያን (Lesben- und Schwulenverband Sachsen-Anhalt – LSVD)፡ መንነትኩም ከይተፈለጠ ደገፍ ትረኽቡ ኢኹም። ኣብዚ ቦታታ’ዚ፡ ብዛዕባ ድርብ ጾታውነት፡ ሶዶማዊ፡ ስግረ – ከምኡውን መንጐኣዊ መንነት (LSBTI*) ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ትረኽቡ ኢኹም።  ሰነ-ኣእምሮዊ ጸገማት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣገልግሎት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ (Psychotherapeutischer Dienst) ረድኤት ይህብ እዩ።

ብጽልኢ ወጻእተኛታት ንዜጋጥም መጥቃዕትታት ዚውሃብ ደገፍ

ማሕበራዊ ግህሰት ዘጋጠመኩም እንተዄንኩም ወይ ብጥሩፋት የማናይ-ክንፊ ዓመጽ ንኸየጋጥመኩም ስግኣት እንተሊኩም፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንማእከል ምኽሪ ግዳያት (Opferberatungsstelle) ተወከሱ። ሰራሕተኛታት፡ ንዓኹም ንምሕጋዝን ነቲ እተቕርብዎ ጠለብ ደገፍ ንምሃብን ኣብ ቦታኹም ይርከቡ። ናብ ፖሊስ፡ ዶክተር ወይ ጠበቓ ኣብ እትኸድሉ እዋን፡ ንዓኹም ኣሰንዮም ክኸዱ እዮም። ብዝኾነ፡ ብዛዕባ’ዚ ዚስዕብ ተጠንቀቑ፥ ገበነኛታት ከምዝሕተቱ ንኽትገብሩ መሰል ኣለኩም!

ዲሞክራሲን መሰል ደቂ-ሰባትን መሰረታውያን ባእታታት ሓባራዊ ናብራና እየን

ተሰዲድኩም መጺኡም ኣብ ጀርመን ዑቕባ ትሓቱ ኣለኹም። ሃገርና ንኹሎም ብፖለቲካዊ ጸገማት ካብ ሃገሮም ዝሃደሙን ካብ ኲናትን ኲናት ሓድሕድን ዘምለጡ ሰባት ዑቕባ ተእንግድ።

እዚ ዑቕባ እዚ ኣብ ቁዋምና ሰፊሩ ዘሎ ክፋል መስርሕ ዲሞክራሲ እዩ። ነዚ መስርሕ ዝምልከቱ ድማ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን መሰል ደቂ-ሰባት ዓንዲ ሕብረተሰብ ዝቖሙ ኣለው። መሰላት ደቂ-ሰብ ኣብ ጀርመን ኣብ ቅዋም ብ 1949 ካብ ሓፈሻዊ መግለጺ መሰል ደቂ-ሰባት ውድብ ሑብራት ሃገራት ብ 1948 ዝተገብረ ዝተወስደን ብ ቻርተር መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ኤውሮፓዊ ሕብረት ብ 2000 ዝተቐየደን እዩ።  መሰል ህጻናት ድማ ብውዕል መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1989 ዝተቐየደ እዩ።

• ሃገረ ጀርመን ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ እያ። ሓላፊ ሃገር፡ ፓርላመንትን መንግስትን ከምኡ ድማ ናይተን 16 ርእሰን ዝኸኣላ ኣውራጃታት ፓርላመንትን መንግስትን ምምሕዳር ናይ ከተማታትን ማሕበራትን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ይምረጹ። ኩሉ ምርጫታት ከኣ ምስጢራዊ እዩ።

• ነፍስወከፍ ዜጋ ናቱ ርእይቶ ወይ ናታ ርእይቶ ብናጻ ክገልጽ ወይ ክትገልጽ፡ ዝኾነ ሰብ ተኣኪቡ ንመሰሉ ሰለማዊ ሰልፊ ክምስርትን መሰል ኣለዎ ወይ ኣለዋ። ኩሉ ዜጋ ድማ ናብ ድሞክራሳውያን ፓርቲታትን ማሕበራትን ካልኦት ውድባትን ክጽንበሩ መሰል ኣለዎም።

• ብዙሓት ሰባት ኣብ ጀርመን ኣብ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ስፖርታዊ መዳያት ብማሕበር መልክዕ ወይ ጎስጓሳት ናይ ማሕበር ተቐቢሎም ይነጥፉ።

• ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ። መንግስትን በዓል መዚ ቤት ጽሕፈታትን ብቑዋማዊ ሕግታት ይቕየዳ። መሰላቱ ዝተጋህሰ ኮይኑ ዝተሰመዖ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይዱ ክኸስስን መሰሉ ክሓትትን ይኽእል። ቤት ፍርዲ ስለ ዝኸደ ድማ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከጋጥሞ ኣይግባእን። ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ግቦ ክኸፍል ዝፈተነ ሰብ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ።

• ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ሓደ መሰላት ኣለዎም። እዚ ዋላ እውን ሂወት ኣብ ምምራሕ የገልግል። ማለት፡ መሰል ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ከምኡ ‘ውን መሰል ናይ ባዕልኻ ኣታዊ ምህላው እዮም። ደቀንስትዮ ኣብ ጀርመን ኣብ ኩሉ ባእታታት ይሰርሓ፡ ዋላ ውን ኣብ ሓላፍነት ዘለዎ ቦታታት።

•ህጻናት ብዘይ ማህረምቲ ክዓብዩ፡ መባእታዊ ትምህርቲ ክቐስሙ መሰል ኣለዎም። ኣቦን ኣደን ኣብ ምዕባይ ውላዶም ሓደ መሰል ኣለዎም። ወለዲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ኮነ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወከልቲ ወለዲ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።

• ኩሎም ነበርቲ እዚ ሃገር ነሓድሕዶም ክከባበሩ መሰል ኣለዎም። ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ማህረምቲ ኩልኩል እዩ።

• ዝኾነ ሰብ ሃይማኖቱ ብነጻ ከዘውትር ይኽእል። ዝበዝሑ ህዝቢ ጀርመን ወይ ኢቫንከሊካውያን ከንሻ ወይ ካቶሊክ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ መብዝሕትኦም በዓላትን ባህልታትን ከኣ መሰረቶም ካብዞም ሃይማኖታት ዝነቐለ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ጀርመን ባህሊ ብይሁዳውያን ዝተቐየደ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና እውን ኣብዚ ሃገር ይነብሩ እዮም። ካልኦት ብዙሓት ዝተፈላለዩ እምነታት ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት እውን ዋላሓንቲ እምነት ሃይማኖት ዘይብሎም ኣለዉ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ግን ብሰንኪ እምነቱ ኮነ ብሰንኪ ብዛዕባ እምነት ዘለዎ ኣረኣእያ ክድሎ ወይ ኣድልዎ ክህልዎ ኣይግበእን። መሰል ርእይቶኻ ምግላጽ ክበሃል ከሎ ድማ ሃይማኖትን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ምቁዋም እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

• ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሰንኪ መበቆሉ፡ ሕብሪ ቆርበቱ፡ ጾታኡ፡ ናይ ስጋዊ ርክብ ኣንፈቱ፡ ዕድመ ወይ ስንክልና ኣድልዎ ከጋጥሞ ኣይግባእን። ግብረ ሶዶማውያን እውን ኣብ ጀርመን ክሕብኡ የብሎምን። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ንሓዳር ዝኾኖም መሪጾም ሓዳሮም ብመንግስቲ (ምምሕዳር) ከም ዝፍለጥ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

እዞም መሰረታውያን ሕግታት ከኣ ዓንዲ ናይ ነሓድሕድካ ምክክብባርን ተጻዋርነትን ኣብ ሕብረተሰብና ይፈጥሩ።

• ብ Nationalsozialismus (1933 – 1945) ዝተገብረ ዓቢ ገበን ምርድኡን ምክትታሉን ኣብዚ ሃገር ዓቢ ተራ ኣለዎ። ዓሌታውያንን ጸረ-ሰምያውያንን ብሕብረተ-ሰብ ናይዛ ሃገር ውጉናት እዮም። ዝተፈጸመ ቅዝፈት ይሁዳውያን ዘይምእማን ወይ ዘይምቕባል ከም ገበን ይቑጸር።

ዲሞክራሲ ንዘንቱ እለት ክነብር ዝኽእል እንተ ደኣ ነፍስወከፍ ሰብ ኢዱ ኣበርኪትሉን ንድሌታቱ እንተ ተቓሊስሉን እዩ።

እዚ ዕድላት እዚ ድማ ዋላ እውን ንስደተኛታት ዝተኸፍተ እዩ።

ብዙሓት ማሕበራት እውን ዘለኩም ተገዳስነት እንተ ኣርኢኹመን ኢድኩም ስዒመን ይቕበላኹም።

ብዙሓት ናብዚ ሃገር ዝተሰደዱ ዜጋታት እውን ናይ ባዕላቶም ማሕበራት ብሙቛም፡ ኣብ ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባርን ሓድነትን ኣገደስቲ ኣብርክቶ ተጻዊቶም እዮም።

እተመርጹ ኣድራሻታት ከምኡውን ክትረኽብዎም እትኽእሉ ኣካላት

መንበሪ ኣባይቲ

ኣገልግሎት ምኽሪ ስደተኛታት

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/netzwerke  www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/netzwerke/

beratungsstellen/migrationsberatung-fuer-erwachsene-mbe/

ንርእሰ-ውደባ ዜገልግል ምኽርን ደገፍን ፍቓድ መንበሪ

Flüchtlingsrat Sachsen-Anhalt e. V. | Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.fluechtlingsrat-lsa.de  www.fluechtlingsrat-lsa.de

ተሌፎን፥ +49 391 5371281

ኣብ Saxony-Anhalt ዚርከብ ብCaritas ንኣመልከትቲ ዑቕባ ዚውሃብ ሓበሬታ መስርሕ [ማእከል ምኽሪ መስርሕ ዑቕባ] Halberstadt

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.caritas.de  www.caritas.de

ተሌፎን፥ +49 3941 609300

ነተን ብሰንኪ ግጭት ንእተፈላለያ ስድራቤታት ዚሕግዝ ኣገልግሎት ምንዳይ ስድራቤት DRK

Deutsches Rotes Kreuz – Landesverband Sachsen-Anhalt

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.sachsen-anhalt.drk.de  www.sachsen-anhalt.drk.de

ተሌፎን፥ +49 391 6106890 (MD)

ወለንታዊ ምምላስ (Freiwillige Rückkehr)

ማእከል ብቕዓት ዝምለሱ ሰባት ናብ ሳልሳይ ሃገር ብወለንትኦም ንዝምለሱ ዜጋታት ዚሕግዝ ኣገልግሎት ምኽሪ

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.magdeburgerstadtmission.de/arbeitsgebiete  www.magdeburgerstadtmission.de/arbeitsgebiete/

kompetenzzentrum-rueckkehr/

ዕዮን ስልጠናን

Network IQ – ኣፍልጦ ብቕዓት ዚህብን ኣብ ብቕዓት ኣመልኪቱ ዜማኽርን

Halle / Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.sachsen-anhalt.netzwerk-iq.de  www.sachsen-anhalt.netzwerk-iq.de

ተሌፎን፥ +49 345 686948-23/-15/-21 (HAL) / +49 391 40805-15/-10/-13 (MD)

ሞያ ኣብ ኣተኲሮ

ነቶም ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ሞያተኛታት ዚውሃብ ናይ ምቅባል ኣገልግሎት

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.fachkraft-im-fokus.de  www.fachkraft-im-fokus.de

ተሌፎን፥ 49 152 537 729 43 (HAL), +49 173 8498 196 (MD)

ድልድል ናብ ስራሕ PLUS.

ጽንባረ ኣመልከትቲ ዑቕባን ስደተኛታት ኣብ ዕዮን ስልጠናን

Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.jobbruecke-chance.de  www.jobbruecke-chance.de

ተሌፎን፥ +49 391 7279882

ጥዕናን ጸግዕን

ንደቀኣንስትዮ ዚውሃብ ምኽርን ደገፍን

ኣንጻር ዓመጽ ዝቓወማ ደቀኣንስትዮ

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.migration-paritaet-lsa.de/ffhwww.migration-paritaet-lsa.de/ffh

ተሌፎን፥ +49 345 5238115

ኣንጻር ዓመጽ ዝቓወማ ደቀኣንስትዮ

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.frauen-gegen-gewalt.de  www.frauen-gegen-gewalt.de

ተሌፎን፥ +49 30 322 99 500

መስመር ሓገዝ፡ ኣንጻር ደቀንስትዮ ዚፍጸም ዓመጽ“

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.hilfetelefon.de  www.hilfetelefon.de

ተሌፎን፥ +49 8000 116016

Vera – ክፍሊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቀኣንስትዮን ግዱድ መርዓን

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.awo-sachsenanhalt.de  www.awo-sachsenanhalt.de

ተሌፎን፥ +49 391 4015371

ብጽልኢ ወጻእተኛታት ንዜጋጥም መጥቃዕትታት ዚውሃብ ደገፍ

ንግዳያት ዓመጽ የማናይ ክንፊ ዚውሃብ ተንቀሳቓሲ ምኽሪ

Halle / Magdeburg / Salzwedel / Dessau-Roßlau

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.mobile-opferberatung.de  www.mobile-opferberatung.de

ተሌፎን፥ +49 345 2267100 (HAL) / +49 391 6207752 (MD) /

+49 3901 306431 (SAW) / +49 340 6612395 (RSL)

ንሕቶታት ጾታዊ መንነትን ጥዕናን ዚምልከት ምኽሪ

ማሕበር ሰዶማውያን Saxony-Anhalt  (LSVD)

Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.sachsen-anhalt.lsvd.de  www.sachsen-anhalt.lsvd.de

ተሌፎን፥ +49 391 5432569

ደገፍ ኤይድስ (Halle / Sachsen-Anhalt Süd e. V., Sachsen-Anhalt Nord e. V.)

Halle / Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥ halle.aidshilfe.de /    www.aidshilfesachsenanhaltnord.de  www.aidshilfesachsenanhaltnord.de

ተሌፎን፥ +49 345 5821271 (HAL) / +49 391 5357690 (MD)

ምጥያስን ማሕበራዊ ውህደትን

ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝጠቕም መርበባትን ደገፍን

ንስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእተኛታትን ዚድግፍ ኣገልግሎታትን መርበባትን ምኽሪ

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/netzwerke  www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/netzwerke/

ተበግሶታት ምቕባል ኣጋይሽ Sachsen-Anhalt

መርበብ-ሓበሬታ፥

www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/willkommen/willkommensinitiativen  www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/willkommen/willkommensinitiativen/

„ኣብ ወኪል ወለንተኛታት ዚርከብ መቐበሊ መጻእተኛታት

መርበብ-ሓበሬታ፥

www.freiwilligen-agentur.de/themen-und-projekte/engagiert-fuer-www.freiwilligen-agentur.de/themen-und-projekte/engagiert-fuer-fluechtlinge/

ዞባዊ መርበብ ማሕበራት ስደተኛታት  Sachsen-Anhalt (LAMSA) e.V.

Halle

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.lamsa.de  www.lamsa.de

ተሌፎን፥ +49 345 17164890

ሓበርቲ ስደተኛታት፣  „እንቛዕ ናብ ሃል ብደሓን መጻእኩም“ ከምኡውን „እንቛዕ ናብ ማግደበርግ ብደሓን መጻእኩም“

መርበብ-ሓበሬታ፥ www.willkommen-in-halle.de und

www.willkommen-in-magdeburg.de  www.willkommen-in-magdeburg.de

ኣብ ፍሉይ ኲነታት ህይወት ዜተኮረ ምኽርን ደገፍን

ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ኣገልግሎት ዚህብ ማእከል ምኽሪ

Halberstadt / Magdeburg / Stendal

ተሌፎን፥ 03941 612545 (HBS), +49 391 6272916 (MD),

+49 3931 712736 (ST),

ማሕበር ዓይነ-ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባትን

Landesgeschäftsstelle

Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.bsv-sachsen-anhalt.de  www.bsv-sachsen-anhalt.de

ተሌፎን፥ +49 391 2896239

ጸገማት ቛንቋ ንዘለዎም ሰባት ዚውሃብ ደገፍ

ኣብ Saxny-Anhalt ንዝርከብ ስደተኛታት፡ ብተሌፎን ዚግበር ትርጉም/ምስትርጓም

Halle

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.lamsa.de  www.lamsa.de

ተሌፎን፥ +49 345 21389399

ማሕበር ፈደራላዊ መንግስቲ ኣስተርጐምቲ ቛንቋ ምልክት (LAG)

Sachsen-Anhalt e.V.

Halle

መርበብ-ሓበሬታ፥ +49 345 6890010

ኢ-መይል፥ ldz.leps@gmx.de oder    mailto:lbst.traut@gmx.delbst.traut@gmx.de

እተሓትመ

ኣሕታሚ፥ Auslandsgesellschaft Sachsen-Anhalt e. V.

ኣብ ክንዲ Susi Möbbeck ንምጽንባር ህዝብታት Saxony-Anhalt ዚከታተል ኮሚሽነር ሃገራዊ መንግስቲ

ኣድራሻ፥  einewelt haus

Schellingstraße 3–4 | 39104 Magdeburg

መርበብ-ሓበሬታ፥    www.agsa.de  www.agsa.de

ጽሑፍን ኣርትዖትን፥ Maja Sahre und ዶ/ር ኢርንስት ስቶክማን (Dr. Ernst Stöckmann)

V. i. S. d. P.: Michael Marquardt, Geschäftsführer der AGSA

ዲዛይን / ለይኣውት፥ ማትያስ ራም  (Matthias Ramme)

ስእላዊ መግለጺ / ስእልታት፥ ካ ሽሚዝ (Ka Schmitz)

ትሕዝቶ’ዚ ንኡስ-መጽሓፍ’ዚ፡ ብመሰል-ደራሲ እተሓለወ እዩ። ሕጥቦ-ጽሑፍ፡ ስእላዊ መግለጺ ወይ ስእልታት ምሕታም ወይ ብኤለትሮኒካዊ መገዲ ምጥቃም፡ ካብ ኣሕታሚ ኣቐዲምኩም ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ምስረኸብኩም ጥራይ ይፍቀደልኩም።

እተመሓየሸን እተሓደሰን ካልኣይ ሕታም  2016

© ኲሉ መሰላት እተሓለወ’ዩ

እዚ መንሹር’ዚ (ምስ ተወሳኺ ጽሑፋት)፡ በዚ ዚስዕብ ቛንቋታት፥

ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ኣፍጋንኛ (ፓሽቶ)፡ ፐርሽያኛ (ፋርሲ)፡ ሩስያኛ፡ ሰርብያኛ ከምኡውን ትግርኛ ስዒቡ ኣብ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ከምዚሕተም ኪኸውን እዩ፥

www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/willkommen/erstinformationen-fuer-fluechtlinge/

ሞባይል መርበብ ገጽከምኡ ድማ መርበብ ኣፕ:

www.erstinfos.de  www.erstinfos.de

ተወሳኺ ሓበሬታ

ብዛዕባ ኲነታት መነባብሮ ጀርመን – ናብራ፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ካልእ ኣርእስታትን – ዚምልከት ኣብ “Wegweiser für Neueingewanderte” (ንሓደስቲ ስደተኛታት ዚውሃብ መምርሒ) ሓበሬታ ዚሓዘ ተወሳኺ ኣገልግሎታት ምጥያስ ክትረኽቡ ኢኹም፥

www.integriert-in-sachsen-anhalt.de/willkommen/wegweiser-fuer-neueingewanderte/