ዲሞክራሲን መሰል ደቂ-ሰባትን መሰረታውያን ባእታታት ሓባራዊ ናብራና እየን

ተሰዲድኩም መጺኡም ኣብ ጀርመን ዑቕባ ትሓቱ ኣለኹም። ሃገርና ንኹሎም ብፖለቲካዊ ጸገማት ካብ ሃገሮም ዝሃደሙን ካብ ኲናትን ኲናት ሓድሕድን ዘምለጡ ሰባት ዑቕባ ተእንግድ።

እዚ ዑቕባ እዚ ኣብ ቁዋምና ሰፊሩ ዘሎ ክፋል መስርሕ ዲሞክራሲ እዩ። ነዚ መስርሕ ዝምልከቱ ድማ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን መሰል ደቂ-ሰባት ዓንዲ ሕብረተሰብ ዝቖሙ ኣለው። መሰላት ደቂ-ሰብ ኣብ ጀርመን ኣብ ቅዋም ብ 1949 ካብ ሓፈሻዊ መግለጺ መሰል ደቂ-ሰባት ውድብ ሑብራት ሃገራት ብ 1948 ዝተገብረ ዝተወስደን ብ ቻርተር መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ኤውሮፓዊ ሕብረት ብ 2000 ዝተቐየደን እዩ።  መሰል ህጻናት ድማ ብውዕል መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1989 ዝተቐየደ እዩ።

• ሃገረ ጀርመን ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ እያ። ሓላፊ ሃገር፡ ፓርላመንትን መንግስትን ከምኡ ድማ ናይተን 16 ርእሰን ዝኸኣላ ኣውራጃታት ፓርላመንትን መንግስትን ምምሕዳር ናይ ከተማታትን ማሕበራትን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ይምረጹ። ኩሉ ምርጫታት ከኣ ምስጢራዊ እዩ።

• ነፍስወከፍ ዜጋ ናቱ ርእይቶ ወይ ናታ ርእይቶ ብናጻ ክገልጽ ወይ ክትገልጽ፡ ዝኾነ ሰብ ተኣኪቡ ንመሰሉ ሰለማዊ ሰልፊ ክምስርትን መሰል ኣለዎ ወይ ኣለዋ። ኩሉ ዜጋ ድማ ናብ ድሞክራሳውያን ፓርቲታትን ማሕበራትን ካልኦት ውድባትን ክጽንበሩ መሰል ኣለዎም።

• ብዙሓት ሰባት ኣብ ጀርመን ኣብ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ስፖርታዊ መዳያት ብማሕበር መልክዕ ወይ ጎስጓሳት ናይ ማሕበር ተቐቢሎም ይነጥፉ።

• ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ። መንግስትን በዓል መዚ ቤት ጽሕፈታትን ብቑዋማዊ ሕግታት ይቕየዳ። መሰላቱ ዝተጋህሰ ኮይኑ ዝተሰመዖ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይዱ ክኸስስን መሰሉ ክሓትትን ይኽእል። ቤት ፍርዲ ስለ ዝኸደ ድማ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከጋጥሞ ኣይግባእን። ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ግቦ ክኸፍል ዝፈተነ ሰብ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ።

• ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ሓደ መሰላት ኣለዎም። እዚ ዋላ እውን ሂወት ኣብ ምምራሕ የገልግል። ማለት፡ መሰል ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ከምኡ ‘ውን መሰል ናይ ባዕልኻ ኣታዊ ምህላው እዮም። ደቀንስትዮ ኣብ ጀርመን ኣብ ኩሉ ባእታታት ይሰርሓ፡ ዋላ ውን ኣብ ሓላፍነት ዘለዎ ቦታታት።

•ህጻናት ብዘይ ማህረምቲ ክዓብዩ፡ መባእታዊ ትምህርቲ ክቐስሙ መሰል ኣለዎም። ኣቦን ኣደን ኣብ ምዕባይ ውላዶም ሓደ መሰል ኣለዎም። ወለዲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ኮነ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወከልቲ ወለዲ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።

• ኩሎም ነበርቲ እዚ ሃገር ነሓድሕዶም ክከባበሩ መሰል ኣለዎም። ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ማህረምቲ ኩልኩል እዩ።

• ዝኾነ ሰብ ሃይማኖቱ ብነጻ ከዘውትር ይኽእል። ዝበዝሑ ህዝቢ ጀርመን ወይ ኢቫንከሊካውያን ከንሻ ወይ ካቶሊክ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ መብዝሕትኦም በዓላትን ባህልታትን ከኣ መሰረቶም ካብዞም ሃይማኖታት ዝነቐለ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ጀርመን ባህሊ ብይሁዳውያን ዝተቐየደ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና እውን ኣብዚ ሃገር ይነብሩ እዮም። ካልኦት ብዙሓት ዝተፈላለዩ እምነታት ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት እውን ዋላሓንቲ እምነት ሃይማኖት ዘይብሎም ኣለዉ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ግን ብሰንኪ እምነቱ ኮነ ብሰንኪ ብዛዕባ እምነት ዘለዎ ኣረኣእያ ክድሎ ወይ ኣድልዎ ክህልዎ ኣይግበእን። መሰል ርእይቶኻ ምግላጽ ክበሃል ከሎ ድማ ሃይማኖትን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ምቁዋም እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

• ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሰንኪ መበቆሉ፡ ሕብሪ ቆርበቱ፡ ጾታኡ፡ ናይ ስጋዊ ርክብ ኣንፈቱ፡ ዕድመ ወይ ስንክልና ኣድልዎ ከጋጥሞ ኣይግባእን። ግብረ ሶዶማውያን እውን ኣብ ጀርመን ክሕብኡ የብሎምን። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ንሓዳር ዝኾኖም መሪጾም ሓዳሮም ብመንግስቲ (ምምሕዳር) ከም ዝፍለጥ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

እዞም መሰረታውያን ሕግታት ከኣ ዓንዲ ናይ ነሓድሕድካ ምክክብባርን ተጻዋርነትን ኣብ ሕብረተሰብና ይፈጥሩ።

• ብ Nationalsozialismus (1933 – 1945) ዝተገብረ ዓቢ ገበን ምርድኡን ምክትታሉን ኣብዚ ሃገር ዓቢ ተራ ኣለዎ። ዓሌታውያንን ጸረ-ሰምያውያንን ብሕብረተ-ሰብ ናይዛ ሃገር ውጉናት እዮም። ዝተፈጸመ ቅዝፈት ይሁዳውያን ዘይምእማን ወይ ዘይምቕባል ከም ገበን ይቑጸር።

ዲሞክራሲ ንዘንቱ እለት ክነብር ዝኽእል እንተ ደኣ ነፍስወከፍ ሰብ ኢዱ ኣበርኪትሉን ንድሌታቱ እንተ ተቓሊስሉን እዩ።

እዚ ዕድላት እዚ ድማ ዋላ እውን ንስደተኛታት ዝተኸፍተ እዩ።

ብዙሓት ማሕበራት እውን ዘለኩም ተገዳስነት እንተ ኣርኢኹመን ኢድኩም ስዒመን ይቕበላኹም።

ብዙሓት ናብዚ ሃገር ዝተሰደዱ ዜጋታት እውን ናይ ባዕላቶም ማሕበራት ብሙቛም፡ ኣብ ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባርን ሓድነትን ኣገደስቲ ኣብርክቶ ተጻዊቶም እዮም።