ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF)

ኣብ ጀርመን ዚቐርብ መመልከቲ ዑቕባ፡ ናብ  ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF) ጥራይ ኪቕረብ ይከኣል። BAMF፡ ቤት ፍርዲ ዘይኮነስ በዓል-መዚ እዩ። ኣብ መበቆል ሃገርኩም መከራ ዘጋጠመኩም እንተኾይኑን ናብታ ሃገር ምስእትምለሱ መከራ ንኸየጋጥመኩም ትሰግኡ እንተዄንኩምን ከረጋግጽ እዩ። መከራ ዘጋጠመኩም እንተኾይኑ፡ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ናይ መንግስቲ ጸግዒ ክውሃበኩም ኣገዳሲ ነገር እዩ። ኣብ ካልእ ክፋል መበቆል ዓድኹም ድማ ጸግዒ ክትረኽቡ ትኽእሉ እንተዄንኩም ድማ ከረጋግጽ እዩ።

እቲ ንምርግጋጽ ዚግበር መስርሕ፡ ኣብቲ እተቕርብዎ ውልቃዊ መመልከቲ ዑቕባ ጥራይ ዚሙርኮስ እዩ። ንመመልከቲ ዑቕባ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣቕርቡዎ። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ንመመልከቲ ዑቕባ ኣበይን መዓስን ከምእተቕርብዎ ክሕብረኩም እዩ።

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ብስምኩም ፋይል ብምድላው፡ ንውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኹም ክስንድ እዩ። ዕድሜኹም 14 ዓመት እንተኣኺሉ፡ ስእሊ ክትስኣሉን ኣሰር ኣጻብዕቲ ክውሰደልኩምን እዩ።

መመልከቲ ኣብ እተቕርብሉ እዋን፡ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ንዘለኩም መሰላትን ግዴታትን ሓበሬታ ክትውሃቡ ኢኹም። እዚ ሓበሬታ’ዚ፡ ብሃገራዊ ቛንቋኹም ብጽሑፍ ክውሃበኩም እዩ። BAMF፡ ኣብ ቅድሚ ውሳኔ ዚህብ ኣካል ኣብ እትቐርብሉ ናይ ውልቅኹም ቆጸራ፡ ኣስተርጓሚ/ተርጓሚ ንኽህሉ ክዕድመልኩም እዩ። ብቛንቋ ኣዴኹም ጉዳይኩም ንኽስማዕ መሰል ኣለኩም። ንጠበቓኹም ድማ ናብቲ ቆጸራ ምሳኹም ሒዝኩምዎ ንኽትመጹ ይፍቀደልኩም እዩ። ብዛዕባ ጉዳይኩም ንኻልእ ሰብ ሓቢርኩም እንተዄንኩም ድማ ንእትኣምንዎ ሰብ ምሳኹም ሒዝኩም ኽትመጹ ትኽእሉ ኢኹም።