ደረጃ ብደረጃ

ናብ ሃገር ምእታውን ምዝገባን

ኣብ ቀንዲ ኣፍደገ ንዝርከብ ዋርድያ ሓሊፍኩም ኣብ ቀጽሪ LAE ምስ በጻሕኩም፡ ከም ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ተመዝገቡ። ወረቐት ምስክር ምዝገባ (ምዝገባ፡ House A) ድማ ክውሃበኩም እዩ። LAE Halberstadt፡ ናትኩም ሓላፍነት ዘይወስድ እንተኾይኑ፡ ንዕኡ ኣብ ዝመስል ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ከምእትኸዱ ኪግበር እዩ። ንእትገብርዎ ምግዕዝ ዚምልከት ገደብ ግዜን ቮውቸር ቲኬትን ክትውሃቡ ኢኹም፣ እዚ ድማ ካብ ነቑጣ ሓበሬታ Deutsche Bahn (መደበር ባቡር Halberstadt) ክትወስድዎ ኣለኩም።

ወረቐት መንነት ዑቕባ ከምኡውን ናብ ሃገር ከምዝኣተኹም ዜረጋግጽ ወረቐት

ወረቐት መንነት ዑቕባ፡ ኣብ እትምዘግብሉ እዋን ዚውሃብ እዩ። ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣብ እትኣትውሉ ወይ እትወጽሉ ግዜ፡ ንወረቐት መንነት ዑቕባ ኲሉ ግዜ ክትሕዙን ንዝሓተተኩም ከተርእዩን ይግባእ። እተዋህበኩም ዓይነታት ቀረብ፡ ሕክምናዊ ምኽሪ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ድማ ኣብ ወረቐት መንነት ዑቕባ ከምዚስነድ ኪኸውን እዩ። ብተወሳኺ፡ ናብ ሃገር ከምዝኣተኹም ዜረጋግጽ ወረቐት ክውሃበኩም እዩ።

ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ድሕሪኡ ድማ ምስቲ ንዓኹም ዝከታተለኩም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትራኸቡ። ንዘለኩም ጸገማት ድማ ምስኦም  ኴንኩም ትፈትሕዎ። መደቀሲ ክፍሊ ክውሃበኩም እዩ። ኣብቲ እተዋህበኩም ወረቐት መንነት ዑቕባ  ከምእተሓበረ፡ ናብ house B ብምኻድ፡ መፋትሕ መደቀሲ ክፍልኹም ክውሃበኩም እዩ።  ሰሙናዊ ቮውቸር ምግቢ ድማ ካብ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ክትውሃቡ ኢኹም።

ብኽብረትኩም ነቲ እዋናዊ ምልክታታት ኣስተብህሉ!

ምክትታል ጥዕና

ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ house B ንዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ሕተቱ፣ ኣብኡ ድማ መባእታዊ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልኩም። ተመሓላለፍቲ ሕማማት እንተልዩ ንምፍላጥ ድማ ብሕጊ ዚእዘዝ መርመራ ንኺካየድ ኣድላዩ እዩ። ኣብ LAE ዚካየድ ተወሳኺ ስጉምትታት፡ ኣብዚ መርመራ ዚሙርኮስ እዩ።

ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት

ኣብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ መመልከቲ ዑቕባ ኣቕርቡ። ከምኡ ንኽትገብሩ ድማ ዕድመ ክውሃበኩም እዩ። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ቀጽሪ LAE ኣብ ዘሎ ማእከል መቐበሊ ይርከብ።

ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ መእተዊ ኣፍደገ  LAE ንዘሎ House A ብቐጥታ ሓሊፍካ ይርከብ። ክውሃበኩም ዘለዎ እጃም ወይ ናይ ጁባ ገንዘብ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱን ክትቅበሉን፡ ናብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብኣካል ተረከቡ።

ክዳውንቲ

Diakonie፡ ንውልቃዊ ጠለባት ዜማልእ ኣብ LAE ዝርከብ ድኳን ክዳውንቲ ኣለዎ። ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ክፉት እዩ። ኣብ ድሕሪት ካፈተርያ ድማ ጣውላ ይርከብ እዩ።

መቐየር ሕጽቦ ክዳውንቲ

ክዳውንትኹም፡ ኣብ ክፍሊ ሕጽቦ ክዳውንቲ (House B, C, W5) ክሕጸብ ይከኣል እዩ፣ ኣብኡ ድማ ንእትቕመጥሉ ክፍሊ ዚኸውን ናውቲ ጽሬት ክትውሃቡ ኢኹም።

ኣንሶላ ዓራት ኣብቲ እተመደበ ሰዓታት ኽትቕይሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕክምናዊ ረድኤት

ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እትኸድዎ ናይ ፈለማ ቦታ፡ ነቑጣ ሕክምናዊ ቀረብ፡ MediCare እዩ። ሕማምኩም፡ ከቢድ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዶክተር ቅድሚ ምቕራብኩም፡ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ፍቓድ ንኽትረኽቡ ኣመልክቱ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮንተይነር G2 ዚርከብ ኣገልግሎት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ፥ ኲነታት ሻቕሎት፡ ስነ-ኣእምሮዊ ሕማም ወይ ጸገማት ጽግዕተኛነት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ደገፍ ይህብ። ኣድላዪ ምስዝኸውን ድማ ቆጸራ ሓዙ።

ጸግዒ

ኲነታት ዓመጽ ኣብ እተዓዘብክሙሉ እዋን ወይ ንጽልኢ ወይ መጥቃዕትታት እተቐላዕኩም እንተዄንኩም፡ ንሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ወይ ፖሊስ (ኣብ ኣፍደገ ዝርከቡ) ብኡንብኡ ተወከሱ።

መውዓሊ ቆልዑ

መውዓሊ ቆልዑ፡ ኣብ ZASt ዘሎ House C ከምኡውን ኣብ W4 (ህንጻ ክረምቲ 4) ይርከብ። ኣብቲ ቦታ’ቲ፡ ካብ 3 ክሳዕ 11 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ዚኸውን ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ቦታ እተፈላለየ ኣገልግሎታት ትረኽቡ።

ምትሕልላፍ/ምግዕዓዝ

ኣብ Saxony-Anhalt ናብ ዝርከብ ገጠራዊ ዞባታት ዚግበር ምግዕዓዝ፡ ብመሰረት ኣብ ቤት ጽሕፈት ምግዕዓዝ ዝወጸ ዕለታት ይካየድ። ነዚ ዚምልከት ኣብ ተዛመድቲ መንበሪ ኣባይቲ ንዝወጽእ ምልክታት ድማ ተኸታተሉ።

ኣብቲ እትግዕዝሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ House B እተዋህበኩም ኣንሶላ፡ መፋትሕን ካልእ ነገራትን ክትመልሱ ይግባእ። እቲ ወረቐት መንነት ዑቕባ፡ ውዱቕ ዚብል ማሕተም ክሳዕ ዚሕተሞ ድማ ነቲ ምግዕዓዝ ክትጅምርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ቦታታት LAE Halberstadt

LAE (ZASt)፡ ናብ Klussiedlung ዚወስድ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ Halberstadt ኣብ ዘሎ Friedrich-List-Street 1a ይርከብ።

ኣብ መንጐ ማእከላይ መደበርን LAE Halberstadtን ዘሎ ፍልልይ ርሕቐት ድማ 5 ኪ.ሜ እዩ።

ካብ ማእከላይ መደበር ናብ LAE ድማ ብትራም (መስመር 2፡ ናብ Sargestedter Weg ዚወስድ መገዲ ብምሓዝ፡ ኣብ “Herbingstraße” ወይ “Felsenkeller” ጠጠው ብምባል)

ብኣውቶቡስ (መስመር 12፡ ናብ Klusberge ዚወስድ መገዲ ብምሓዝ፡ ኣብ መዓርፎ) ትበጽሑ።

ብእግሪ ትጉዓዙ እንተዄንኩም፡ ናብ ማእከላይ መደበር ዚወስድ ምልክታት (“Asyl” ዚብል ጻዕዳ ምልክት) ተኸተሉ።

Locationmap tigrinya

ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ኣብቲ እትቕመጥሉ መንበሪ ኣባይቲ ምርኩስ ብምግባር፡ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሓላፍነትኩም ይወስድ።  ንስርዓት ኣካይዳ ይውድብ፣ ጽሑፋትን ደብዳቤታትን ይህብ፣ ከምኡውን ምሳኹም ብምዃን መመልከቲታት የቕርብ። ንሱ፡ ኣብ LAE ዚሰርሕ ክትረኽብዎ እትኽእሉ ኣገዳሲ ሰብ እዩ። ኣብዚ ህንጻ ብዛዕባ እትጸንሕዎ ዚምልከት ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ይህበኩም። እዚ ድማ መምርሒታት (ሕግታት ንጽሕና ከምኡውን መጠንቀቕታ ድምጺ ባርዕ ኣብ ዝስምዓሉ ዚውሰድ ስጉምቲ) ዚሓዘ እዩ።

Caritas-ነቑጣ ምኽሪ

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ (House C/102, 103, 132, 133) እትጸንሕዎ ግዜ ዚምልከት ንዘለኩም ኲሉ ዓይነታት ሕቶታት፡ ንሰራሕተኛታት ማእከል ምኽሪ Caritas  ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ቦታ’ዚ ድማ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዚምልከት ኲሉ ሕጋዊ ሕቶታት ዚምልከት ምኽሪ ክትውሃቡ ኢኹም። ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ድማ እተዳለኹም ትኾኑ።

ንእሽቶ ምዕዶ፥ ዘይትርድእዎ ደብዳቤ ኣብ እተቐበልክሙሉ እዋን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንነቑጣ ምኽሪ ብኽብረትኩም ተወከሱ። ኣሉታዊ ውሳኔ ዑቕባ ኣብ እተቐበልክሙሉ እዋን ድማ ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ። Caritas ድማ ብዛዕባ ሕጋዊ ሓገዛትን ምምላስን ዘሎ ተኽእሎታት የማኽረኩም።

ኣብ LAE Halberstadt ዘሎ ዕድላት

ንመስርሕ ዑቕባ/መስርሕ ምስማዕ ጉዳይ ኣመልኪትኩም ርእስኹም ብምድላው፡ ነቲ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ እተሕልፍዎ ግዜ ንዓኹም ኣብ ዝጠቅም ኣውዕልዎ። ንነቑጣ ምኽሪ – Caritas (House C/102) ተወከሱ።

ጀርመንኛ ኣጽንዑ! እቲ ኣብ ማእከል ምኽሪ – Caritas ብጀርመንኛ ዚውሃብ ትምህርታት ምጥያስ፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ይውሃብ። መብዛሕቱ ግዜ፡ ወለንታውያን ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ትምህርታት ይህቡ።

ኣብዚ ቦታ’ዚ ይኹን ኣብ መእለዪ ክፍልታት (House B፡ House C)፡ ንደቅኹም ዚምልከት ፕሮግራማት  ትረኽቡ ኢኹም። ኣብ ማእከል ምኽሪ ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡ ንቖልዑ ዚኸውን ትምህርታት ኢደ-ጥበብ ብቐጻሊ ይህቡ እዮም። ንዓበይቲ ዚውሃብ ትምህርታት ትግደሱ እንተዄንኩም ድማ ብዛዕባኡ ዚምልከት ዕድላት እንተልዩ ሕተቱ።

ኣብ ቀዳማይ ደርቢ House C ዘሎ ምልክታት፡ ንኣብነት፥ ኣብ ከባቢ LAE ናብ ዝርከብ ቦታታት ዚግበር ጉዕዞታት (ንቖልዑ ተባሂሉ እተዳለወ መካነ እንስሳታት) ወይ ባህላዊ በዓላት (Zora Halberstadt) ብዛዕባ ዝርከቦ ንዓበይቲ ዚምልከት ንጥፈታት ሓበሬታ ይህብ።

ኣብ ጥቓ LAE (ናብ ማእከል ከተማ ዚወስድ መገዲ)፡ እተፈላለየ መሳለጥያታት ዕዳጋ (ሱፐርማርከኢት፡ ድኳናት ክዳውንቲ) ወይ መሳለጥያታት ርክብ (ካፈታት ኢንተርነት) ይርከብ። ነዚ መሳለጥያታት ድማ ብእግርኹም እትጉዓዝዎ፡ 2 ወይ 3 ኪሎሜተራት ርሕቐት ዘለዎ እዩ።

ወለንታዊ ስራሕ (ትርጉም፡ ደገፍ ኣብ በዓላት፡ ናይ ጽሬት ስራሕ፡ ጽገናን ካልእ ስራሕን) ብምስራሕ፡ ንእትቐመጥሉ መንበሪ ኣከባቢ ብንጥፈት ቅርጺ ከተትሕዙን ንእትረኽብዎ ናይ ጁባ ገንዘብ ንኸተኻዕብቱን ትኽእሉ። ካብዚ ዕድላት’ዚ ንኽትርብሑ፡ ንዝከታተለኩም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከሱ።

ንጥፈታት ስፖርት፡ ሲኔማን ካልእ ማሕበረ-ባህላዊ ንጥፈታትን፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብስሩዕ ክውሃብ ይኽእል እዩ።