ንደቀኣንስትዮ ዚውሃብ ፍሉይ ጸግዒ

ኣብ ሃል፡ ነቶም ዓመጽ ዘጋጠሞም ወይ ፍሉይ ጸግዒ ንዘድልዮም ደቀኣንስትዮን ቆልዑን እተዳለወ መንበሪ ገዛ  (FlüchtlingsFrauenHaus) ኣሎ። ኣብኡ ንምቕማጥ፡ ፍቓድ መንበሪ ወይ Duldung (ውሳኔ እተቛረጸ ጥርዝያ) ክህልወኩም ኣለዎ። እዚ ቦታ’ዚ፡ መጥቃዕትታት ንኸየጋጥመካ መጽለሊ ዚህብ እዩ፣ ከምኡውን ርእስኹም ክኢልኩም እትነብርሉ ህይወት ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ይውሃበኩም፣ እዚ ድማ ኣብ ግዜ ውልቃዊ ጸገማት ሓገዝ ዚህብን ንመዓልታዊ ህይወትኩም ከምእትገጥሙ ዚገብርን እዩ።

መንነትኩም ከይተፈልጠ ደገፍ ኽትረኽቡ እትደልዩ እንተዄንኩም፡ ን”መስመር ሓገዝ” (“Hilfetelefon”) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ደቀኣንስትዮ፡ ንኻልኦት ደቀንስትዮ ብ15 ቛንቋታት ምኽሪ ይህባ እየን።

ብሰንኪ ጾታዊ መንነት ዘጋጥም ጸገማት

ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ኣካልኩም ድላይኩም ንኽትውስኑ መሰል ኣለኩም። ብሰንኪ ዘለኩም ጾታዊ  መንነት ኣድልዎ እንተገጢምኩም፡  ኣብ ቦታኹም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሃል ካብ ዝርከባ ማእከል ምኽሪ Begegnungs- und Beratungszentrum “lebensart” e.V. (BBZ) ከምኡውን ኣብ ማግደበርግ ካብ ዝርከብ CSD Magdeburg e.V. ወይ ኣብ ማሕበር ሰደማውያን (Lesben- und Schwulenverband Sachsen-Anhalt – LSVD)፡ መንነትኩም ከይተፈለጠ ደገፍ ትረኽቡ ኢኹም። ኣብዚ ቦታታ’ዚ፡ ብዛዕባ ድርብ ጾታውነት፡ ሶዶማዊ፡ ስግረ – ከምኡውን መንጐኣዊ መንነት (LSBTI*) ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ትረኽቡ ኢኹም።  ሰነ-ኣእምሮዊ ጸገማት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣገልግሎት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ (Psychotherapeutischer Dienst) ረድኤት ይህብ እዩ።

ብጽልኢ ወጻእተኛታት ንዜጋጥም መጥቃዕትታት ዚውሃብ ደገፍ

ማሕበራዊ ግህሰት ዘጋጠመኩም እንተዄንኩም ወይ ብጥሩፋት የማናይ-ክንፊ ዓመጽ ንኸየጋጥመኩም ስግኣት እንተሊኩም፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንማእከል ምኽሪ ግዳያት (Opferberatungsstelle) ተወከሱ። ሰራሕተኛታት፡ ንዓኹም ንምሕጋዝን ነቲ እተቕርብዎ ጠለብ ደገፍ ንምሃብን ኣብ ቦታኹም ይርከቡ። ናብ ፖሊስ፡ ዶክተር ወይ ጠበቓ ኣብ እትኸድሉ እዋን፡ ንዓኹም ኣሰንዮም ክኸዱ እዮም። ብዝኾነ፡ ብዛዕባ’ዚ ዚስዕብ ተጠንቀቑ፥ ገበነኛታት ከምዝሕተቱ ንኽትገብሩ መሰል ኣለኩም!