ኣብ Saxony-Anhalt ዚርከብ ማእከል

ጸግዒ ደሊኹም ናብ ጀርመን ዝመጻእኩም፡ እሞ ኸኣ ዑቕባ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱ እትደልዩ እንተዄንኩም፡ መዝታት መንግስቲ፡ ብመሰረት ሕግን ስርዓተ-ኮታን፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ማለት ብማእከል መቐበሊ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ (LAE).፡ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ።

ከም  ሓታቲ ዑቕባ መጠን፡ እቲ ናይ ፈለማ  ምቕባል (ምዝገባ) ኣብ LAE ኺካየድ እዩ። Saxony-Anhalt፡ ካብቲ ዝመጻእክሙዎ መበቆል ሃገርኩም ንዝቐረበ መመልከቲታት ሕቶ ዑቕባ ዘይቅበል እንተልዩ፡ ኣባላት ሰራሕተኛታት፡ ንመመልከቲኹም  ናብ ዝምልከታ ፈደራላዊ መንግስቲ  ከመሓላልፍኹም እዮም።

ኣብ LAE፡ መንበሪ ቦታ፡ ምግብን ንመነባብሮ ዘድሊ ካልእ ነገራትን ይውሃበኩም። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቦታ ተዋሂብኩም ክሳዕ እትግዕዙ፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ።

እቲ ማእከል መቐበሊ፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ Halberstadt ዚርከብ  LAE እተደኮነ እዩ። ንዂሉ ደረጃታት መስርሕ ዑቕባኹም፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ኴንኩም ኽትከታተልዎ ኢኹም። ጨንፈር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን  ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF)፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ይርከብ። ናብ ጨንፈር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ድማ ነቲ መመልከቲ ዑቕባ ተቕርቡ።

ኣብቲ መንበሪ ቦታ ክትህልዉ ኣለኩም

ኣብቲ መቐበሊ ፈለማ ኣብ ዝኣተኽሙሉ እዋን፡ በቲ መብዛሕቱ ግዜ  Residenzpflicht ዚጽዋዕ ግዴታት ተቐማጦ (Aufenthaltsverpflichtung) ክትምእዘዙ ኣለኩም። እዚ ድማ እትቕመጥሉ ቦታ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ (ዞባዊ ምምሕዳር  ወይ ከተማ) ከምዚኾነ የገድድ ማለት እዩ። ግዴታታት ተቐማጦ፡ መዝታት መንግስቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ንዓኹም ክረኽብኹምን ኣገዳሲ ሰነዳት ድማ ኣብ ግዚኡ ንኽበጽሓኩምን ተባሂሉ እተዳለወ እዩ። እንተወሓደ  ንሰለስተ ኣዋርሕ ወይ ድማ ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኽትጸንሑ ክሳዕ እተገደድክሙሉ ንውሓት ግዜ ክትቅመጡ የፍቅድ።

ንኣዝማድኩም ንኽትበጽሑ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ንፈለማ ዝኣተኽሙዎ ማእከል መቐበሊ ሓዲግኩም ክትወጹ ኣብ ዝደለኽሙሉ እዋን፡ ፍቓድ (መውጽኢ ካርድ -Urlaubsschein) ክትረኽቡ ኣለኩም። ፍቓድ ንኽትረኽቡ፡  ናብ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ፍቓድ ከይረኸብኩም ነቲ ቦታ ሓዲግኩም እንተወጺእኩም፡ መቕጻዕቲ ክውሃበኩም እዩ፣ ከምኡ ደጋጊምኩም እንተገይርኩም ድማ ገበናዊ ክሲ ንኽቐርበልኩም ዘይተርፍ ነገር እዩ።

ኣብ LAE እትቕመጥሉ ንውሓት ግዜ

ብመሰረት ሕጊ፡ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከላት መቐበሊ እትቕመጥሉ ንውሓት ግዜ፡ ክሳዕ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዚበጽሕ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ ህሉው ንውሓት ግዜ፡ ኣብ  ኲነታት መስርሕ ሕቶ ዑቕባኹም ዚምርኮስ እዩ።

መበቆል ሃገርኩም  ውሑሳት ካብ ዝብሃላ ሃገራት፥ ኣልባንያ፡ ቦዝንያ ሄርዞጎቪና፡ ጋና፡ ኮሶቮ፡ መቖደንያ፡ ሞንተነግሮ፡ ሰኔጋል ወይ ሰርብያ እንተኾይኑ፡  እቲ እተቕርብዎ መመልከቲ ዑቕባ ንኽርኤ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሑድ ጥራይ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኲነታት፡ እቲ መስርሕ ዑቕባ ክሳዕ ዚውዳእ፡  መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ  ከም እትጸንሑ ይግበር።

መንበሪ ገዛ

ብዝተኻኣለ መጠን ዝበለጸ መንበሪ ገዛ ኣብ LAE ንኽንህበኩም ንጽዕር።

መብዛሕቱ ግዜ፡ ኣብ ክፍልታት ሓበራዊ መንበሪ ገዛ ከምእትቕመጡ ኽግበር እዩ። ዓቕሚ’ቲ ከባቢ፡ ዘይእኹል እንተኾይኑ፡  ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ቦታ ብግዝያዊ መልክዕ ኽትቕመጡ ይከኣል እዩ።  ብዝኾነ፡ እቲ ዘለኽሙዎ መንበሪ ገዛ፡ ኣብ ግዜ ዛሕሊ’ውን ንኽትቅመጠሉ ምቹእ ኪኸውን ኣለዎ።

ነቶም ዘሰኒ ዘይሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዚውሃብ ጸግዒ

ዕድሜኹም ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾይኑ ፡እሞ ኸኣ ብዘይ ዝኾነ ወላዲ ወይ ኣላዪ ኣብ ጀርመን ትቕመጡ እንተሊኹም፡  ንስኹም ፍሉይ ዝኾነ ጸግዒ ኽትረኽቡ የድልየኩም እዩ። ናብዛ ሃገር ምስበጻሕኩም፡ ፍቓድ ብእተዋህቦ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ንኣሽቱ መንእሰያት ከምእትረዓሙ ኺግበር እዩ። ፈለማ ኣብ ዝውሃብ ማእከል መቐበሊ እትቕመጡ ዘለኹም ዋላ ኣይትኹኑ፡ ብኣገልግሎታት ድሕነት ንኣሽቱ መንእሰያት፥ ምኽሪ፡ ክንክንን መንበሪ ገዛ ኽትቕበሉ ኢኹም።

ንደቀኣንስትዮ ዚውሃብ ፍሉይ ጸግዒ

ዘሰኒ ዘይብለን ደቀኣንስትዮ ወይ ቆልዑ ዘለወን ደቀኣንስትዮ፡ ኣብ እተፈልየ ክፍልታት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝቕመጣ ይግብር። ኣብቲ መንበሪ ክፍልታት ምስ ሰባት ብኸመይ ሓቢርካ ትቕመጥ  ዚምልከት ምኽሪ ድማ ብሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይውሃብ እዩ። ምኽሪ ኣብ ዝውሃበሉ እዋን፡ ንዘለክን ውልቃዊ ጸገማት ብቕሉዕ ክትሕብራ ትኽእላ ኢኺን። ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጐንኽን ደው ክብሉ እዮም፣ ንዂሉ ሕቶታትክንን ጸገማትክንን ብዚምልከት ድማ ደገፍ ክህቡኽን እዮም።

ጾታዊ መንነት

ኣብ ጀርመን፡ ዝኾነ ሰብ፡ ብሰንኪ ዘለዎ ጾታዊ ኣቃውማ (ኣንስታይ ሰዶመኛ፡ ተባዕታይ ሰዶመኛ፡  ድርብ ጾታዊ (ባይ ሰክሽዋል)፡  ስግረ-ጂናዊ (ትራንስ ጀንደር)፡ ስግረ-ጾታዊ (ትራንስ ሰክሽዋል) ከምኡውን ሰበይታይ (ክዩር)) ወጽዓ ክበጽሖ ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ሕቶታት እንተሊኩም ከምኡውን/ወይ ኣገልግሎት ምኽሪ ተናድዩ እንተሊኹም፡ ንዝከታተለኩም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት ንምውካስ ብኽብረትኩም ኣይትሰከፉ። ፍሉይ ኣገልግሎት ምኽሪ  ብዛዕባ ዚምልከት ርእይቶታት (ረይንቦው) ሕተቱ።

ምስግጋር (ምግዓዝ) ናብ ገጠራዊ ዞባታት

ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ናይ ምርካብ ጽቡቕ ዕድላት እንተሊኩም ወይ እቲ ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ ዑቕባ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ንኽትቕመጡ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ። ሰራሕተኛታት LAE፡ ኣየነይቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ንዓኹም ከምእትቕበለኩም ክሕብርኹም እዮም። ኣብ Saxony-Anhalt ብዛዕባ ክህልወኩም ዘለዎ መንበሪ ገዛ ኣመልኪትኩም ንእተቕርብዎ ውልቃዊ ድሌታትኩም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣይከኣልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድ (ውሉዳት፡ ወለዲ፡ ትሕተ-ዕድመ ኣሕዋት፣ ትሕቲ ዕድመ ኪበሃሉ ከለዉ፡ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም) ምስዝህልውኹም፡ ናብ መንበሪ ገዛ ኣዝማድኩም ንኽትግዕዙ ጠለብ ንኸተቕርቡ መሰል ኣለኩም።

ኣብ ግዜ ግጭት ዚውሰድ ስጉምቲ

ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ቦታ ብሕብረት ምቕማጥ፡ ግጭታት ከለዓዕል ተኽእሎ ኣለዎ። ንስኹም፡ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

  • ኣብ ግዜ ግጭት፡ ብኽብረትኩም ርግእ በሉ።
  • መፍትሒታት ግጭት ብምምጻእ፡ ኣብቲ ቦታ ብዝቕመጡ ሰባት ንእተላዕለ ግጭታት ከተዕርፍዎ ጸዓሩ።
  • ብዛዕባ ዝኾነ ሓደገኛ ኲነታት፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ሓብሩ።
  • ህጹጽ ኲነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ናብ ኣገልግሎት ድሕነት ወይ ፖሊስ ከባቢ ደውሉ።
  • ግዳይ ዓመጽ ዓሌትነትን የማናይ ክንፍን ምስእትኾኑ፡ ደገፍን ሓገዝን ንምርካብ ንተንቀሳቓሲ ምኽሪ ግዳያት (mobile victim consultation) ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ሓገዛት/ረብሓታት

ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሕጋዊ ሓገዛትን ንዕኡ ዚሰማማዕ መባእታዊ ኣገልግሎታት ሓገዝን ኽትቕበሉ ኢኹም።

ጥረ-ገንዘብ ዘይኮነ ሓገዛት ድማ ኽትቕበሉ ኢኹም፥

  • ንቚርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ዚኸውን ቮውቸራት
  • ኮቦርታ ኣንሶላን መቕረብ ምግብን
  • ክዳውንትን መሳርሒታት ጽሬትን

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንውልቃዊ ጠለባትኩም ዚውዕል ናይ ጁባ ገንዘብ ኽትቕበሉ ኢኹም። እዚ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ይኽፈል፣ ብመሰረት ሕጋዊ ዕድመ (18 ዓመት) ድማ ንሓደ ሰብ ከምዝቕመረሉ ይኸውን። ሓደ ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ጥራይ ድማ ንምሉእ ክፍሊት ይቕበል። ካልኦት ኣባላት ስድራ፡  ጐደሎ ክፍሊት ይውሃቦም።

ናውቲ ንጽሕና፡ ክፋል’ቲ ዚውሃብ መባእታዊ ኣገልግሎታት ሓገዝ እዩ። ናይ ጁባ ገንዘብ ምስረኸብኩም፡  ንዓኹም ዘድልየኩም ነገር ባዕልኹም ኽትዕድጉ ኣለኩም። ኣብ ከተማ ንኽትዕድግሉ ዘፍቅደልኩም ቮውቸራት ክዳውንቲ፡ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኽትቕበሉ ኢኹም። ክዳውንቲ ብህጹጽኣብ ዘድልየሉ እዋን ድማ ብመገዲ ዓበይቲ ድኳናት ክዳውንቲ ከምዚውሃብ ይኸውን።

ክንክን ጥዕና

ብርቱዕ ሕማም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣብቲ ዘለኽሙዎ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ነቑጣ ቀረብ ሕክምና (MediCare) ብኽብረትኩም ተራኣዩ። ኣብ ግዜ መዓልቲ፡ ኣብቲ ቦታ ኲሉ ግዜ ዶክተር ትረኽቡ ኢኹም።

ኲነታት ጥዕናኹም ኣብ LAE ክሕከም ኣብዘይክእለሉ እዋን፡ እቲ ዶክተር፡ ተወሳኺ ሕክምና ንኽትረኽቡ ናብ ካልእ ዶክተር ንኽትከዱ ክእዝዘልኩም ይኽእል እዩ። ከምኡ ንምግባር፡  ናብ ካልእ ሕክምና እትመሓላለፍሉ ደብዳቤ (Überweisungsschein) ክህበኩም እዩ።

ብርቱዕ ሕማም ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ድማ መሐከሚ ወረቐት (treatment certificate (Behandlungsschein))  ኲሉ ግዜ የድልየኩም። እዚ ወረቐት ንኽውሃበኩም ከተመልክቱን፡ ዶክተር ቅድሚ ንዓኹም ምርኣዩ ድማ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክትወስዱን ይግባእ።

በቲ ዘጋጠመኩም ዝኾነ ነገር ጸቕጢ ምስዝስምዓኩም፡  ኽፉእ ድቃስ እንተነይርኩም ወይ ኣካልኩም ዘይንቡር ግብረ-መልሲ ምስዘርኢ፡ ኣሰንባዲ ኲነታት ከጋጥመኩም ተኽእሎ ኣሎ። ደገፍ (ኣብ LAEዝውሃብ ክሳዕ ዝኾነ፡  ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሃል (Halle) ከምኡውን ማግደበርግ (Magdeburg) ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰነ-ኣእምሮዊ ማሕበራዊ ኲነታት (Psychosocial Office (Psychosozialer Dienst)) ከምኡውን the ብማኣከላልስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ኲነታት (Psychosocial Centers (Psychosoziale Zentren)) ይውሃበኩም እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ኣብቲ ቦታ ቆጸራ ሓዙ።

ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ (ወይ ካልእ ብጾታ ዚመሓላለፍ ሕማማት) ዚምልከት ደገፍ ኣብ ዘድልየልኩም እዋን፡ ብኽብረትኩም ኣብ ሃልበርስታድት (Halberstadt)፡ ሃል (Halle) ወይ ማግደቡርግ (Magdeburg) ዚርከብ ደገፍ ኤች.ኣይ.ቪ (HIV-supports (AIDS-Hilfen)) ተወከሱ።  እዚ ቦታ’ዚ፡  መንነትኩም ከይሓበርኩም ምኽሪ ክህበኩም ይኽእል፣  ብፍሉይ ክትውከስዎም እትኽእሉ ነቑጣታት ድማ ክሕብረኩም እዩ።

ኣብ LAE ንእተሕልፍዎ ግዜ ምውዳብ

ንመስርሕ ዑቕባኹም ብዚምልከት. ግዜ ሃቡን ብትዕግስቲ ተጸበዩን። ነቲ ብማእከላት ምኽሪ ከባቢ ንዝህብኦ ኣገልግሎታት  ከምኡውን ምስኡ ዚኸይድ ሓበሬታ ዚህብ ጽሑፋት (በረርቲ፡ ቪድዮታትን ካልእን) ተጠቐሙሉ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ጉዳይኩም ንዝስምዓሉ ግዜ ዚኸውን ንርእስኹም ከተዳልዉ ትኽእሉ።

ጀርመንኛ ንኽትምሃሩ እኹል ግዜ ሃቡ። ኣብቲ ዘለኽሙዎ መንበሪ ቦታ፡ ቛንቋ ጀርመን ንኽትምሃሩ መብዛሕቱ ግዜ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ዝውሃብ ዘሎ ዕድላት ተጠቕሙሉ ወይ ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ብምሕታት ባዕልኹም ብዛዕባ ክትምሃርሉ እትኽእሉ ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።

ንስደተኛታት ዝውሃብ ትምህርቲ ሕብረ-ቛንቋዊ ናይ ምልላይ ግዜ ዝኣመሰለ ናይ ፈለማ ኣገልግሎታት ምልላይ ግዜ ከምዘሎ ብኽብረትኩም ተገንዘቡ። ካብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቦታታት (ንኣብነት፡ ኮማዊ ኮሌጅ ምምሕዳር ከተማ)፡ ትምህርቲ ጀርመንኛ ወይ ኣብ ስሩዕ መዓልታዊ ናብራ ዜተኮረ ትምህርቲ ንኽትምሃሩ ዕድላት ኣለኩም። ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ጀርመን ኣፍልጦ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣስተብህሉ፥ እዚ ትምህርታት ገንዘብ ዝኽፈሎ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብኽብረትኩም ኣቐዲምኩም ሕተቱ።

ካብ ገዛኻ ወጺእካ ምኻድ፡ ካብ ንወለዲ ንላዕሊ ንቖልዑ ይኸፍእ። ስለዚ፡ ደቅኹም ብሓባር ኮይኖም ንኽጻወቱ ዕድላት ሃብዎም። ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ ድማ ደቅኹም ዝዘናግዕሉ ግዜ ንኽህልዎም ዕድላት ይውሃቦም እዩ። ደቅኹም፡ ኣብኡ ንኽሳተፉ ኣተባብዕዎም።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፥ ከም ሕጋዊ መጉዚት መጠን፡ ንድሕነትን ተግባራትን ደቅኹም ብቐንዱ ሓላፍነት እትስከሙ ንስኹም ኢኹም። እዚ ድማ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ፡ ውላድኩም ኣበይ ቦታ ከምዘሎ ኲሉ ግዜ ክትፈልጡ ይግብኣኩም ማለት እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ባዕልኹም ተኸታተልዎ ወይ ድማ ነቶም ብቐሊሉ ንዓኹም ክረኽብኹም ዝኽእሉ ካልኦት ሕጋውያን መግዚት ሓብርዎም። ውላድኩም ድማ ንስኹም ኣበይ ከምዘለኹም ኲሉ ግዜ ክፈልጥ ይግባእ።

ኣብ ዕድላት ስራሕ ወይ ስራሓት ግብረ-ሰናይ (ትርጉም፡ ኣብ ግዜ በዓልታት ዚውሃብ ደገፍ፡ ናይ ጽሬት ስራሓት፡ ምጽጋንን ካልእ ስራሕን) ተሳተፉ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ጀርመን ናይ ፈለማ ተሞክሮኹም ከተጥርዩ ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡  ንዘለኩም ቀጥታዊ ኲነታት መነባብሮ ብንጥፈት ቅርጺ ተትሕዙን ንዝውሃበኩም ናይ ጁባ ገንዘብ ከምዝዕንትር ትገብሩን።

ክኢላዊ ዓቕምታት ምግምጋም

ኣብ ማእከል መቐበሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከብ ትካል ሽቕለት ፈደራላዊ መንግስቲ (Bundesagentur für Arbeit)፡ ንዘለኩም ክኢላዊ ብቕዓትኩም ገምጋም ይገብር እዩ። ብዛዕባ ዘለኩም ትምህርታውን ክኢላውን ዓቕምታት ከምኡውን ኣቐዲምኩም እትሰርሕዎ ዝነበርኩም ስራሕ ብዚምልከት ክትሕተቱ ኢኹም። እቲ ዘለኩም ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ተደላዪ እንተኾይኑ፡ ቅልጡፍ ምኽሪ ዕዳጋ ሽቕለት ክውሃበኩም እዩ፣ ነቲ ክኢላዊ ዓቕሚ ንምቕባል ድማ ናይ ምኽሪ ግዜ ክውሃበኩም እዩ። እቲ ዘለኩም ክኢላዊ ዓቕሚ፡ ነቲ ዕዳጋ ሽቕለት ከባቢ ዝሓቶ ጠለባት ዜማልእ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዚምልከቶ ምምሕዳር ከተማ ከምእትምደቡ ኺግበር ይከኣል እዩ።

ብቕዓትን ክእለትን፡ ኣብ መብዛሕቱ ሞያታት የድሊ። ብፍላይ ሞያዊ ስልጠና ዝወሰድኩም እንተዄንኩም ወይ ዲግሪ ዩኒቨርሲቲ እንተልይኩም፡ ኣብ LAE ንዝግበር ገምጋም ብቕዓት ክትርብሕሉ ድማ ይግባእ።