ጸግዒ ደሊኹም ናብ ጀርመን ዝመጻእኩም፡ እሞ ኸኣ ዑቕባ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱ እትደልዩ እንተዄንኩም፡ መዝታት መንግስቲ፡ ብመሰረት ሕግን ስርዓተ-ኮታን፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ማለት ብማእከል መቐበሊ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ (LAE).፡ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ።
ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን፡ እቲ ናይ ፈለማ ምቕባል (ምዝገባ) ኣብ LAE ኺካየድ እዩ። Saxony-Anhalt፡ ካብቲ ዝመጻእክሙዎ መበቆል ሃገርኩም ንዝቐረበ መመልከቲታት ሕቶ ዑቕባ ዘይቅበል እንተልዩ፡ ኣባላት ሰራሕተኛታት፡ ንመመልከቲኹም ናብ ዝምልከታ ፈደራላዊ መንግስቲ ከመሓላልፍኹም እዮም።
ኣብ LAE፡ መንበሪ ቦታ፡ ምግብን ንመነባብሮ ዘድሊ ካልእ ነገራትን ይውሃበኩም። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቦታ ተዋሂብኩም ክሳዕ እትግዕዙ፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ መንበሪ ገዛ ክውሃበኩም እዩ።
እቲ ማእከል መቐበሊ፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ Halberstadt ዚርከብ LAE እተደኮነ እዩ። ንዂሉ ደረጃታት መስርሕ ዑቕባኹም፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ኴንኩም ኽትከታተልዎ ኢኹም። ጨንፈር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (BAMF)፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ይርከብ። ናብ ጨንፈር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ድማ ነቲ መመልከቲ ዑቕባ ተቕርቡ።