ኣሉታዊ ውሳኔ ምስተቐብልኩም፡ ምስ ጠበቓኹም እትገብርዎ ርክብ

ኣንጻር ውሳኔ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።  እቲ ምልክታ ይግባይ፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ሕጋዊ መስርሕን ኣመልከትቲ ከቕርብዎ ዘለዎም ገደብ ግዜን ዚሕብር እዩ። ይግባይ ከተቕርቡ ትደልዩ እንተዄንኩም፡ ብኽብረትኩም ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ መልሲ ክትህቡ ኣለኩም።

ጠበቓ ክትረኽቡ ኣብ ዝመደብክሙሉ እዋን፡ ነቲ ስጉምቲ’ቲ ቀልጢፍኩም ክትወስድዎ ይግባእ።  ማእከል ምኽሪ መስርሕ ዑቕባ ካሪታስ (Asylverfahrensberatung der Caritas) ከምኡውን ቤት ምኽሪ ስደተኛታት (Flüchtlingsrat)፡ ኣብ ሕጋዊ ጸግዒ ዚምልከት ዘይሻራዊ ምኽሪ ይህቡ።