ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ቛንቋ ጀርመን ንኸትጽንዑ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ጀርመን ክትሳተፉን ጽቡቕ ስራሕ ክትረኽቡን ትኽእሉ። ነዚ ደገፍ ንምሃብ፡ ኲሎም ስደተኛታት፡ ካብኦም ድማ እቶም ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ፍሉጣት ስደተኛታት፡ ኣብ ትምህርታት ጽንባረ ህዝብታት ፈደረሽን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ትምህርታት’ዚ፡ ናይ 600 ሰዓታት ትምህርቲ ቛንቋን ናይ 300 ሰዓታት ትምህርቲ ምጥያስን ዜካትት እዩ። ትምህርቲ ምጥያስ ኣብ ዝካየደሉ ግዜ፡ መምርሒታት፡ መሰላትን ግዴታትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ዘሎ ህይወት ግብራዊ ፍልጠት ዚምልከት ትምህርቲ ይውሃብ።
ካብ ሃገራት ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ሶማልያ፡ ዋላ’ውን መስርሕ ዑቕባ ተወንዚፉ (ካብ 10/2016 ጀሚሩ) እንተሃለወ፡ ኣብ ትምህርቲ ምጥያስ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ንምግባር፡ መመልከቲ ናብ BAMF ብቐጥታ ከተቕርቡ ኣለኩም። ብዛዕብኡ ዝምልከት ድማ ንሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት ወይ ኣማኻሪ ብኽብረትኩም ሕተቱ።
ብዙሕ መባእታዊ ሓገዛት፥ መሰረታዊ ትምህርታት፡ ካፈታት ቛንቋ፡ ምክትታል ቛንቋ ወይ ወለንታዊ ሓገዛት ማሕበራት ይውሃብ እዩ። ንዓኹም ዝከታተል ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ቦታኹም ብዛዕባ ዝውሃብ ተኽእሎታት ስልጠና ቛንቋ ዚምልከት ክሕብረኩም እዩ። ትምህርታት ቛንቋ፡ ምስ ምንዳይን ብቕዓትን ስራሕ እተጣመረ እዩ። ስለዚ፡ ንማእከል ስራሕ ወይ ወኪል ሽቕለት (Arbeitsagentur) ተወከሱ።
መጠንቀቕታ፥ ዘይምህላው ወይ ዘይእኹል ዓቕምታት ቛንቋ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንኸይትጣየስ ዝኽልክል ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ። ስለዚ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜን ብጽዑቕን ጀርመንኛ ንኸተጽንዑ ንዘሎ ኲሉ ዕድላት ተጠቐሙ።