ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ቦታ ብሕብረት ምቕማጥ፡ ግጭታት ከለዓዕል ተኽእሎ ኣለዎ። ንስኹም፡ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
- ኣብ ግዜ ግጭት፡ ብኽብረትኩም ርግእ በሉ።
- መፍትሒታት ግጭት ብምምጻእ፡ ኣብቲ ቦታ ብዝቕመጡ ሰባት ንእተላዕለ ግጭታት ከተዕርፍዎ ጸዓሩ።
- ብዛዕባ ዝኾነ ሓደገኛ ኲነታት፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ሓብሩ።
- ህጹጽ ኲነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ናብ ኣገልግሎት ድሕነት ወይ ፖሊስ ከባቢ ደውሉ።
- ግዳይ ዓመጽ ዓሌትነትን የማናይ ክንፍን ምስእትኾኑ፡ ደገፍን ሓገዝን ንምርካብ ንተንቀሳቓሲ ምኽሪ ግዳያት (mobile victim consultation) ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።