ኣብቲ ፈለማ ዘቕረብክሙዎ መስርሕ ዑቕባ ኣሉታዊ መልሲ እንተረኺብኩም፡ ናይ ምክትታል መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዘቕረብክሙዎ መመልከቲ ዑቕባ፡ ኣብ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ወይ ኣብ ነርወይ ወይ ስዊዘርላንድ እተነጽገ እንተኾይኑ፡ ጀርመን፡ ኣብ ዑቕባኹም ሓላፍነት ትወስድ። ኣብ ከምዚ ኲነታት ድማ ካልኣይ መመልከቲ ከምዝቐርብ ይግበር።
ናብ መበቆል ሃገርኩም ንኽትምለሱ ምስትግደዱ ሓደጋ ንኸጋጥመኩም ተኽእሎ እንተልዩ ወይ ኲነታት’ቲ መበቆል ሃገርኩም እናኸፍኤ ዚኸይድ እንተልዩ፡ ከምኡ ንኽትገብሩ ይከኣል እዩ። BAMF፡ ንመርትዖኹም እንተተቐቢልዎ፡ ንምሉእ መስርሕ ዑቕባ ደጊምኩም ከተካይዱ ኢኹም።