ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ኣካልኩም ድላይኩም ንኽትውስኑ መሰል ኣለኩም። ብሰንኪ ዘለኩም ጾታዊ መንነት ኣድልዎ እንተገጢምኩም፡ ኣብ ቦታኹም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሃል ካብ ዝርከባ ማእከል ምኽሪ Begegnungs- und Beratungszentrum “lebensart” e.V. (BBZ) ከምኡውን ኣብ ማግደበርግ ካብ ዝርከብ CSD Magdeburg e.V. ወይ ኣብ ማሕበር ሰደማውያን (Lesben- und Schwulenverband Sachsen-Anhalt – LSVD)፡ መንነትኩም ከይተፈለጠ ደገፍ ትረኽቡ ኢኹም። ኣብዚ ቦታታ’ዚ፡ ብዛዕባ ድርብ ጾታውነት፡ ሶዶማዊ፡ ስግረ – ከምኡውን መንጐኣዊ መንነት (LSBTI*) ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ትረኽቡ ኢኹም። ሰነ-ኣእምሮዊ ጸገማት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣገልግሎት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ (Psychotherapeutischer Dienst) ረድኤት ይህብ እዩ።
ብሰንኪ ጾታዊ መንነት ዘጋጥም ጸገማት
