ወግዓዊ ትምህርቲ

ኣብ ጀርመን፡ ኲሎም  ቆልዑ፡ ትምህርቲ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም። ኣዋልድን ኣንስትዮን፡  ዕድሚኦም ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ትምህርቲ ክጅምሩ ብሕጊ ይግደዱ። ደቅኹም ብዘይ ብኩራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩ ይግደዱ እዮም። ኣብ ብዙሓት ከተማታት Saxony-Anhalt፡ ፍሉይ ትምህርታት ደገፍ ቛንቋ ዝህባ ኣባይተ-ትምህርቲ ኣለወን። ውላድኩም፡ ኣብዘን ኣባያተ-ትምህርቲ ጀርመንኛ ክመሃር ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ ምስ ካልኦት ቆልዑ ኮይኑ ነቲ ትምህርታት ይከታተል። ውላድኩም  ጀርመንኛ ንኽምሃር ደግፍዎ። ንዓኹም ዚከታተል ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ቀረባኹም ብዛዕባ ዘሎ ዕድላት ዚምልከት ሓበሬታ ይህበኩም፣ መመልከቲ ኣብ ምቕራብ ድማ ይሕግዘኩም።

እቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኲሎም ቆልዑ፡  ፈለማ መባእታዊ ትምህርቲ ይምሃሩ። ድሕሪኡ፡  ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂሮም ከምዝምረቑ ይኾኑ። እተፈላለየ ዓይነታት መመረቕታ ኣሎ። ንውላድኩም ዚምልከት ተወሳኺ ትምህርቲ ንምርካብ ቅድመ-ዂነታት ኣሎ። ውላድኩም፡ ዲግሪ ወይ ወረቐት ምስክር ካልኣይ ደረጃ (Haupt- oder Realschulabschluss) ምስዝህልዎ፡ ሞያዊ ስልጠና ኪወስድ ይኽእል እዩ፣ ዲፕሎማ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ እንተሊይዎ፡ ስሩዕ ትምህርቱ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ዲግሪ ዘይብልካ ድማ ጽቡቕ ስራሕ ንኽትረክብ ከቢድ እዩ።

ብዛዕባ ስርዓተ-ትምህርቲ ጀርመን ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፡  ኣብ Saxony-Anhalt ብዝርከብ ዞባዊ መርበብ ማሕበራት ስደተኛታት ይውሃብ እዩ።.